ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ጉዳይ ሶማሊላንድ ፖለቲካዊ ደገፍ ንምሕታት ዞባዊ ዑደቱ ይቕጽል

Radio Erena: Thursday, 25 January 2024

ኣብ ጉዳይ ሉኣላውነት ሶማል፣ ዞባዊ ፖለቲካዊ ደገፍ ንምሕታት ዑደት ኣብ ምክያድ ዝርከብ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ናብ ቐጠር በጺሑ።

ድሕሪቲ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተምኦ፣ ንዋንነት ባሕሪ ዝምልከት ናይ መረዳድኢ ሰነደ፣ ተቓውምኡ ብምግላጽ፣ ዑደቱ ብኤርትራ ዝጀመረ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ቀጺሉ ናብ ግብጺዩ ኣምሪሑ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ኣሚር ቀጠር፣ ሸኽ ሓማድ ቢን ታኒ ንምዝታይ ድማዩ ብ22 ጥሪ ናብ ቀጠር፣ ከተማ ዶሓ ኣትዩ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ ጉዳይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተመቓቐለ መርገጺታት ከምዘለወንዩ ዝንገር።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስ ኢትዮጵያን መንግስቲ ናይታ ርእሰ ምምሕዳርን ብምዃን፣ ንወደብ በርበራ ብብርኪ ንምውናኑ መደብ ከምዝነበረ ይዝከር።

ሶማል፣ ምስታ ኣካላ ምዃና እትገልጻ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝካየድ ዝኾነ ናይ ወደብ ውዕላት፣ ንሉኣላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ከም ምጥሓስ ከምእትርእዮያ ተነጽር።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0