Radio Erena: Tuesday 16 , January 2024
ኣብ ኤርትራ፣ 1559 ገበናትን 12 በደላትን ፈጸምቶም ዘይተለለዪ ተባሂሎም ተመዝጊቦም ምህላዎም፣ ንኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ፣ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና መንግስቲ ሓቢሩ።
ፖሊስ ኤርትራ፣ ብ11 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ገምጋም ናይ 2023፣ ነዞም ፈጸምቶም ዘይተለለዪ ገበናትን በደላትን፣ መደበራት ፖሊስ ተውሃሂደንን ምስ ሕብረተሰብ ተሓባቢረን ንምቅልዑ ክሰርሓ፣ እቲ ኣዛዚ ተማሕጺኑ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ፣ ብትሕተ ዕድመ ገበናት ዝፍጸሙ ገበናት ንምንካይ ዕቱብ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ‘ዩ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ፣ ከም ክትራን፣ ዝምታ፣ ስርቂን ዓመጽ ዝኣመሰለ ገበናት እናሳዕረረ ይመጽእ ምህላዉ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ‘ዩ።
ፖሊስ ኤርትራ፣ ነቲ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ገበናት ንምግታእ፣ በብከባቢኡ፣ ከተማታትን ዞባታትን፣ ንተማሃሮን ወለድን ዕላማ ዝገበረ ጽዑቕ ኣኼባታትን ጎስጓሳትን ኣብ ምክያድ‘ዩ ዝርከብ።
==========================
COMMENTS