Radio Erena: Friday ,12 January 2024
ኣብ ኢትዬጵያ፣ ብሰንኪ ኵናት፣ ደርቂን ተጸባዪ ረዲኤት ናይ ዝኾነ ብዝሒ ህዝቢ ልዕሊ 15 ሚልዮን ከምዝበጽሐ፣ ትካል ረዲኤት ኣመሪካ– USAID ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብታ ሃገር ቀንዲ ቀራቢ ህጹጽ ሓገዝን ረዲኤትን ዝኾነ ትካል፣ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ሰሜንን ካልእ ክፋላትን ኢትዬጵያ ብዝተኻየደን ኣብ ገሊኡ ድማ ገና ዝቕጽል ዘሎን ኵናት፣ 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ከምዘመዛበለ ሓቢሩ።
ብዘይካ‘ዚ ብሰንኪ ግጭታትን ባህርያዊ ሓደጋታትን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ኢትዬጵያ ብምስጋር፣ ዑቕባ ዝሓተቱ ልዕሊ 3 ሚልዮን ዜጋታት እቲ ዞባ‘ውን ከምዘለዉ‘ዩ እቲ ትካል ኣመልኪቱ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ልዕሊ 1500 ምንጭታት ማይ ብምድራቑ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝብ‘ውን ንደርቂ ተቓሊዑ ኣሎ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ፣ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፈር፣ ኦሮምያን፣ ሶማልን‘ውን ብሰንኪ ደርቂ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ይጽበዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብታ ክልል ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ልዕሊ 800 ሰባት ብዓጸቦ ሞይቶም።
እብ ካልእ ክልላት እታ ሃገር‘ውን ጥሪትን መጽዓኛን ብጥሜት ይወድቁ ምህላዎም‘ዩ ዝግለጽ።
ኣብ መላእ ኢትዬጵያ፣ ምምዝባል፣ ስእነትን ድኽነትን እናዛየደ ብምምሽኡ፣ ብሓፈሻ ተጸባዪ ረዲኤት ናይ ዝኾነ ብዝሒ ህዝቢ ዕዕሊ 15 ሚልዮን ከምዝበጽሕ‘ዩ ተገምጊሙ።
መንግስቲ ኢትዬጵያ፣ ብዛዕባ‘ዚ ናይ 1984 ዘስካሕክሕ ናይ ጥሜት ክስተት እታ ሃገር ከይድገም ኣስጊኡ ዘሎ ደርቂን ዓጸቦን ቀዳምነት ብምሃብ ይሰርሓሉ ከምዘየሎ‘ዩ ዝንቀፍ።
=============
COMMENTS