ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ብውሑዱ 2 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 28 May 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ኣመንቲ ምስልምና ብዓርቢ ኣብ ዘካየዱዎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ብውሑዱ 2 ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።
እቲ ካብ መስጊድ ኣንዋር፤ ኣዲስ ኣበባ፤ ከምዝተበገሰ ዝተገልጸ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ሰልፈኛታት ‘ብተኸታታሊ ዝዓንው ዘሎ መሳጊድ ደው ይበል’ ዝብል ጭሮሖ ከምዘቃልሑ ተሓቢሩ።
ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝደናገጻ ማዕከናት ዜና ብወገነን ኣብ ዝሃበኦ ሓበሬታ፤ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከእትዉ ዝፈተኑ ኣባላት ፖሊስ 52 ካብኦም ከምዝቖሰሉ ኣመልኪተን።
ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፤ ክልተ ካብ ሰልፈኛታት ከምዝሞቱ፤ ልዕሊ 37 ኣባላት ፖሊስ ከኣ ምቑሳሎም ድሕሪ ምግላጹ፤ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ቀንዲ ተራ ዝተጻወቱ ዝበሎም ብውሑዱ 114 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።
‘ስምዕታኦም ብሰላማዊ ሰልፊ ንዝገልጹ ሰባት ኮፍ ኢልካ መረረኦም ኣብ ክንዲ ምስማዕ፤ ሓይልታት ጸጥታ ሰዲድካ ምቕጻዕን ምቕታልን ግቡእ ኣይኮነን’ ክብሉ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ምስልምና ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ኣብ ዝዝርግሕዎ ዘለዉ ሓበሬታ ይገልጹ።
ሓድሽ ከተማ ሸገር ንምህናጽ ዝወጸ ፕሮጀክት ኣብ ዝጀመረሉ፤ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ጥራይ ሓያሎ መሳጊድን መንበሪ ኣባይትን ብምዕናዎም፤ ኣብ መንጎ ነበርቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖትን ብሄርን እታ ከተማ ተኸታታሊ ግርጭት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0