ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ሓሙሽተ ምምሕዳር ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺሩ ከምዘሎ ሲኤንኤን ሓቢራ

Radio Erena: 29 May 2023

ሰራዊት ኤርትር፣ ዛጊት ኣብ ዝቖጻጸሮ ከባቢታት ትግራይ፣ ረዲኤት ከይኣቱን ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ከባቢታት ከይበጽሕን ከምዝኸልከለ ሲኤንኤን ሓቢራ።

እታ መርበብ ዜና፣ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ሰራሕተኛታት ትካላት ግብረ ሰናይ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ብ25 ግንቦት፣ ናብ ከባቢ ታሕታይ ኣድያቦ ናብ እትርከብ፣ ቁሸት ገምሃሎ ክበጽሕ ንዝተበገሱ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት ከምዝዓገትዎም ኣመልኪታ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ እቲ ሓለፍቲ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሩ ምትሕብባር ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያትን ውድብ መግቢ ዓለምን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ወከልቲ ሕቡራት፣ ካብ ሸራሮ 16 ኪሎሜተር ተጓዒዞም ናብ ከባቢ ዋዕላ ንህቢ ምስ ብጽሑ’ዮም ኣብቲ ከባቢ ብዝርከብ ሓይልታት ኤርትራ ተዓጊቶም።

ኣብ ላዕላይ ኣድያቦ ዝርከባ ብውሕዱ ሓምሽተ ምምሕዳር ከባቢታት ትግታይ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኤርትራ ከምዘለዋ ሴንኤንኤን፣ ንሰራሕተኛታት ትካላት ረዲኤት ብምጥቃስ፣ ገሊጻ።

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ክወጽእ፣ ኣመሪካ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባትን ይጽውዓ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እንተኾነ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኤርትራ ከምዘሎ ዝንገረሉ ሉኣላዊ ክፋል ኢትይጵያ ዝኾነ ከባቢታት ትግራይ ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺታት ኣይሃብሉን።
=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0