ኢትዮጵያ፣ 7 ሚልዮን ህዝቢ ሓደጋ ሕማም ኮሌራ ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 22 May 2023

ብሰንኪ እቲ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝነውሐ ምዃኑ ዝንገረሉ ለብዒ ሕማም ሽሮኽ፡ ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ጨንፈር ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡እቲ ለበዳ ናብ ክልል ደቡብን ከባቢታት ሲዳማን የስፋሕፍ ብምህላዉ፣ ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ፣ በቲ ሕማም ናይ ምልካፍ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ብሓሙስ 18 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡እቲ ለብዒ ኣብ 54 ንኡስ ዞባታት ናይታ ሃገር ኣብ ዝርከባ፣ 348 ምምሕዳር ከባቢታት ከም ዝተዘርግሐን፣ ዛጊት 6157 ዝኾኑ ተርእዮታት ናይቲ ሕማም ከም ዝተመዝገበን ሓቢሩ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፣ ብሰንኪ ሕማም ሽሮኽን ንሱ ዘስዓቦ ጠንቕታትን ዛጊት 94 ሰባት ከምዝሞቱ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ክልል ሶማልን ኦሮምያን ዝወረደ ሓያል ዝናብ ዘስዓቦ ዕልቕልቕ፡ ልዕሊ 196 ሽሕ ተፈናቐልቲ ብምህላዎም፡ በቲ ለበዳ ብቐሊሉ ክልከፉን ናብ ካልእ ክፋላት እቲ ህዝቢ’ውን ከየስፋሕፍሕን ተሰጊኡ ኣሎ።

ነቲ ለበዳ ንምግታእ፣ ህጹጽ ግብረ መልሲ ንምሃብ፣ ሰብኣውን ፋይናንስያውን ሓገዛት ክልገሰሉ እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል ጸዊዑ።

ሸረኾ ወይ ኮሌራ፣ ምስ ጽሬቱ ዘይሓለወ ኣጠቓቕማ ዓይኒ ምድሪ፣ ኣመጋግባን ዝኽሰትን ውጽኣት ብምስዓብ ክሳብ ሞት ዘበጽሕን ተመሓላላፊ ሕማም’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0