ሰራዊት ኤርትራ ንንጥፈታት ኮሚቴ ምክትታል ሕብረት ኣፍሪቃ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ክብል ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወቒሱ

Radio Erena: 22 May 2023

ሰራዊት ኤርትራ፣ ንመስርሕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክግምግም ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቖመት ኮሚቴ ምክትታልን ምቁጽጻርን፣ ንጥፈታቱ ብዝግባእ ንኸየካይድ ዕንቅፋት ይፈጥረሉ ኣሎ ክብል ግዝያዊ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ወቒሱ።

ብዓርቢ 19 ግንቦት ኣብ ከተማ መቐለ፡ ኣብ መንጎ እታ ኮሚቴን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝተኻየደ ናይ ዘተ መድረኽ፡ ኣተሓባባሪ ‘ታ ኮሚቴ፣ ሜጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና፡ ንትግባረ ስምምዕ ፕሪቶያን ምፍታሕ ዕጥቒ ህውሓትን ንምቁጽጻር ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይቲ ክልል ተዘዋዊሩ ከም ዝተዓዘበ ተገሊጹ።

እታ ኮሚቴ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዘሎ ኩነታት ንምዕዛብ’ውን ዝመጽእ ወርሒ ናብ ሑመራ ከም እተምርሕ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ኣብቲ ክልል ዝተፈጸመ ተግባራት፡ ኣብ ኲናት ከም ዘጋጥም ዘይትጽበዮ ሰብኣዊ ዕንወት ጥራይ ዘይኮነ ዘይኮነ፡ ፍልይ ዝበለን ንህዝቢ ንምጽናት ዝተፈጸመን ክስተት`ዩ ክብል’ዩ ጠቒስዎ።

ንሱ፣ ኣብታ ክልል ዝወረድ ዕንወት ንምሕዋይ፣ ካብ ዓቕሚ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ንላዕሊ ስለዝኾነ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሓገዙ ከበርክት ተላብዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ንንጥፈታት ናይታ ኮሚቴ ዕንቅፋት ይኸውን ከም ዘሎ ዘተሓሳሰበ ኣቶ ጌታቸው፣ ኣብ ገለ ከባቢታት ናይቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዛት ንኸይባጻሕ ይዓግት ምህላዉ ‘ውን ወቒሱ።

ኣቶ ጌታቸወ ኣብ መወዳእታ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሉ ክወጻእ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ክገብር ይግባእ ክብል ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0