መራሒ መንግስቲ ጀርመን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንምዝርርራብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

Radio Erena: 05 May 2023

መራሒ መንግስቲ ጀርመን፣ ኦላፍ ሹልስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምዝርራብ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ትማሊ 04 ግንቦት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ቻንስለር ጀርመን፣ ኦላፍ ሹልስ፣ ብዛዕባ’ቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያን ዘውረዶ ዕንወትን ከምኡ ድማ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላምን ምዕባለታቱን ብዝምልከት’ዩ ክዘራረብ።

ኦላፍ ሹልስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኵናትን ብዘተ ንምፍትሑ ዘሎ ተኽእሎን ብምትኳር’ውን ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምኡ ድማ ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ክመያየጥ’ዩ።

ጀርመን ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ምስዳዳ ይዝከር።

ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኵናት ብዝተሓሓዝ፣ ተሪር መርገጺ ዝጸንሐን ሃገራት ኤውሮጳ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሕዳር 2022፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናተን ናብታ ሃገር ብምልኣኽ፣ ኣብ ዳግመ ሕውየትን ካልእ ናይ ምትሕግጋዝ መደባትን ይዝትያ ምህላወን ይፍለጥ።

ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ካብ ዘካየዱ መራሕትን ሰበ ስልጣናትን ሃገራት ምዕራብ፣ መራሕቲ ኢጣልያን ጀርመንን፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኣመሪካ፣ ፊንላንድን ካልኦት ይርከብዎም።

=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0