ሶማል፣ ድሕሪ 50 ዓመታት ቆጸራ ህዝቢ ምክያድ ጀሚራ

Radio Erena: 05 May 2023

ኣብ ሶማል፣ ድሕሪ 50 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ቆጸራ ህዝቢ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ቆጸራ ህዝቢ፣ ዶ/ር ዓብዲ ዓሊ ዒገ፣ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ መደብ፣ ኣብ መላእ ሶማል ዝነብር ህዝቢ ንምቑጻር ምዃኑ ጠቒሱ።

እቲ ክልተ ዓመታት ክወስድ ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ቆጸራ ህዝቢ፣ ንቀዋሚ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ግምት ዘእተው ምዃኑ ዝሓበረ ዶ/ር ዓብዲ፣ ንሰበኽ ሳግም ድማ ሓንሳእ ጥራይ ከምዝቑጸሩ ብዘረጋገጽ መንገዲ ንምምዝጋብ ይሰርሑ ምህላዎም ኣፍሊጡ።

ሶማል፣ ቆጸራ ህዝቢ ዘካይዱ ኣስታት 30 ሽሕ ሰራሕተኛታት ቆጺራ ኣላ።

ንዝሓለፈ ልዕሊ 32 ዓመታት፣ ርጉእ ማእከላይ መንግስቲ ዘይብላ ሶማል፣ ኣስታት 17 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ከምዘለዋ ይግምገም።

እንተኾነ፣ እታ ሃገር ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን ናይ ዝመዛበል ብዝሒ ህዝቢ ዓመታዊ ስለዝቐያየርን ስሩዕ ቖጸራ ህዝቢ’ውን ስለዘይተኻየደን፣ ብዝሒ ህዝባ ንምፍላጡ ኣጸጋሚ’ዩ።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ቆጸራ ህዝቢ ምክያድ ልሙድ መስርሕ ከምዘይኮነ ይፍለጥ።

ኣስታት 3.6 ሚልዮን ህዝቢ ከምዘለዋ ኣብ እትግለጽ ኤርትራ’ውን፣ ስሩዕ ቖጸራ ህዝቢ ካብ ዘይካየድ 10ታት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ።

ነዚ ዝሓለፈ 40 ዓመታት፣ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣስታት 3.5 ሚልዮን’ዩ እናተባህለ’ዩ ዝግለጽ።

ሃገራት፣ ብዝሒ ህዝበን ንምፍላጥ ዘገድሰሉ ምኽንያት፣ ብዘይካ’ቲ ንዕድመን ጾታን ኣብ ግምት ብምእታው፣ እኹል ቀረባትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ንምውዳድ ዝህልዎ ጠቕሚ፣ ብቁጠባ፣ ጥዕናን፣ ትምህርቲን ካልእን ማሕበራዊ ድሕነት ዜጋታት ንምርግጋጽ’ውን ሓጋዚ’ዩ።

ሃገራት፣ ብዝሒ ዓያዩ ዓቕሚ ሰበን ንምፍላጥ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ዓመት ቆጸራ ህዝቢ ከካይዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣህጉራዊ ማሕበር ዕዮ የዘኻኽር።

ሃገራት ምዕራብ፣ ብዘተኣታተውኦ ስሩዕ ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነት ወይ Social Security number፣ ብዝሒ ህዝበን ይኹን፣ ብዝሒ ኣብ ዕዮ ዘለዉን ሽቕለት ኣልቦ ዝኾኑን ዜጋታተን ንምፍላጥ ኣይጽገማን’የን።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0