ኢትዮጵያ፣ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ 2 ቢልዮን ዶላር ንምልቃሕ ትዝቲ ምህላዋ ተሓቢሩ

Radio Erena: 17 April 2023

ኢትዮጵያ፣ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) 2 ቢልዮን ዶላር ንምልቃሕ ትዝቲ ከምዘላ ሮይተርስ ኣቃሊሑ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ስሞም ንዘይጠቐሶም ምንጭታት ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ኢትዮጵያ ኣብቲ ፊናንስያዊ ትካል ካብ ዘለዋ ብርኪ 500% ክፋሉ ንምልቃሕ ትሓትት ከምዘላ’ዩ ጠቒሱ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ብዘቐመጦ ገምጋም፣ ኢትዮጵያ፣ ክሳብ 2026 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ናይ ፋይናንስ ክፍተት ክህልዋ’ዩ።

እዚ ድማ ዋላ’ውን ነቲ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ እንተተፈቕደላ፣ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ክፍተት ክተርፍ ምዃኑ የነጽር።

ብከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ገዚፍ ፊናንስያዊ ልቓሕ ትሓትት ከምዘላ ዝግለጽ ዘሎ፣ ካብ 27 መጋቢት ክሳብ 07 ሚያዝያ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተቓንዐ ዋዕላ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ኢትዮጵያ፣ ናይ ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ናይ ወጻኢ ዕዳ ክህልዋ እንከሎ፣ እቲ ልዕሊ 13 ቢልዮን ካብ ቻይና ዝተለቀሓቶ’ዩ።

እታ ሃገር፣ ዕዳኣ ንምምላስ ዘኽእል ናይ ወፍሪን ንግዲን ፖሊሲታት ክትክተል ኣለዋ ብምባል ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ባንክ ዓለምን ጸቕጢ ከምዝገብሩላ ይፍለጥ።

ሓደ ካብቲ ክትክተሎ ዘለዋ ፖሊሲታት ድማ፣ ብመንግስቲ ዝውነን፣ ከም ቴሌኮም ዝኣመሰለ ግዙፍ ትካላት፣ ናብ ናይ ብሕቲ ንምስግጋር፣ ንኣህጉራውያን ኩባንያታት ንጨረታ ክትዕድም ዝብል እማመ ከምዝርከቦ ጸብጻባት ስነ ቁጠባ ይሕብር።

እንተኾነ፣ ብኵናትን፣ ናይ ብሄር ግጭታትን ደርቂን ተጠቒዓ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ዕዳኣ ንምምላስ ዘኽእል ኣህጉራዊ ናይ ወፍሪ ዕድላት ክትከፍት ይትረፍ፣ ድሮ ኣብታ ሃገር ንዝነበራ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዘህድም ጸጥታዊ ኩነታት ከምዘለዋ’ዩ ዝትንተን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0