‘ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዘንበረቶ እገዳ፣ ኣህጉራዊ ንግዲ ንምክያድ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።’ ኣቶ የማነ ገብረኣብ

Radio Erena: 17 April 2023

ኣመሪካ፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ ሕዳር 2021፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዘንበረቶ እገዳ፣ ኣህጉራዊ ንግዲ ንምክያድ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት፣ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ገሊጹ።

ንሱ ምስ ጋዜጠኛ ዘ ብላክ ኣጀንዳ ሪፖርት፣ ኣን ጋሪሶን ኣብ ዘካይዶ ናይ ቴሌፎን ቃለ መጠይቕ፣ ኣመሪካ ንኤርትራ ‘ስዊፍት’ ካብ ዝተብሃለ፣ ኣህጉራዊ ንግዲ ንምክያድ፣ ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ፣ ናይ ዶላር ባጤራ ንምስግጋር ዝሕዝግ ናይ ባንክታት መስርሕ ከምዝኣገደታ ኣዘኻኺሩ።

ንግዳዊ ልውውጥ ዓለምና ብዶላር ወይ ኤውሮ ዝካየድ ምስ ምዃኑ፣ ኤርትራ ካብዚ ናይ ‘ስዊፍት’ ናይ ገንዘብ ምስግጋር መስርሕ ምእጋዳ፣ ኣህጉራዊ ንግዲ ንምክያድ እኳ እንተተጸገመት፣ ካልእ ኣማራጺታት ብምንዳይ፣ ፍቓደኛታት ምስ ዝኾና ሃገራት ጥራይ ንግዳዊ ልውውጥ ተካይድ ከምዘላ ሓቢሩ።

ከም ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ነቲ ብ’ስዊፍት’ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዝካየድ ናይ ገንዘብ ምስግጋር ንግዲ፣ ብኻልእ መንገዲ ንኽጥቀሙ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕድል ከምዝህብኦም ድማ ኣቶ የማነ ኣነጺሩ።

ኣመሪካ፣ ብዘይካ’ዚ፣ ንዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ኤርትራ ንምትዕንቓፍ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ናይ ዝርከብ ኤምባሲታት ኤርትራ ናይ ባንክ ሕሳብ ስለዘደስከለቶ፣ ክራይ ገዛን ካልእን ንምኽፋል ዝተጸገማ ሓደ ሓደ ኤምባሲታት ከምዘለዋ ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣመሪካ፣ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ስድራቤታቶም ናብ ኤርትራ ንዝልእክዎ ገንዘብ ተተዓናቕፍ ምህላዋ ወቒሱ።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣመሪካ ምህላዋ፣ ዝፈጠሮ ካልእ ጽልዋታት ክምልእ እንከሎ ድማ፣ ኣቶ የማነ፣ እገዳ ንኣህጉራዊ ወፍሪ ዓዳሚ ከምዘይኮነን፣ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ንዝነበርሉ ተሞክሮታት ዘርዚሩ።

መድሃኒታትን ክታበትን ንምሽማት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ፣ ኤርትር ኣብ እገዳ ብምህላዋ ምስኣ ንግዲ ብምክያደን እገዳ ከይግበረልን ዝፈርሓ፣ ከም ኣበጻጻሕቲ ዝኣመሰላ ትካላት ንጠለባቶም ይነጽጋ ምንባረን ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ፣ ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF)፣ ንፍሉይ ተልእኾ፣ ነፈርቲ ብምክራይ፣ መድሃኒታትን ክታበትን ንምብጻሕ ናብ ኣስመራ ናይ ቻርተር በረራታት ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።

እገዳ፣ ብፍላይ እንተነዊሑ ንሓንቲ ሃገር ኣዕናዊ’ዩ ዝበለ ኣቶ የማነ፣ ንቁጠባን መነባብሮ ህዝብን ብቀጥታ ብኣሉታ ከምዝጸሉ ኣረዲኡ።

ን10ዓመታት ዝቐጸለ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን፣ ኣብ 2018 ብዝበጽሕዎ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን እኳ እንተተላዕለ፣ ካብ 2021 ኣትሒዛ፣ ኣመሪካ ዳግም በይናዊ እገዳ ኣንቢራ ስለዘላ፣ እንተተናዊሑ ከቢድ ኣሉታዊ ጽልዋታት ከምዝህልዎ እቲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣብ መወዳእታ ደምዲሙ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0