ኤርትራ ናብ ኢጋድ ንምምላስ ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ

Radio Erena: 14 April 2023

ኤርትራ ናብ ኢጋድ ንምምላስ ዝዓለመ ዘተ ኣብ ኬንያ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት፣ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝትተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፣ ብ12 ሚያዝያ፣ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ተራኺቡ’ዩ፣ ኣብ ጉዳይ ምምላስ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ብዝምልከት ተመያይጡ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ህሉው ዞባዊ ጉዳያትን ተራ ኢጋድን ከምኡ ድማ ምትሕብባር ኤርትራን ኬንያን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት’ውን ዘትዩ።

መራሕቲ ኤርትራን ኬንያን፣ ኣብ 9 ለካቲት፣ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዘካይድዎ ርክብ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስታት ኣብ ርእሲ ምዝታዮም፣ ዜጋታት ክልቲኤን ሃገራት ብዘይ ቪዛ ካብን ናብን ክንቐሳቐሱ ዘኽእል ስምምዕ ከምዝኸተሙ ኣይርሳዕን።

ኤርትራ፣ ኣባል’ቲ ሸሞንተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ኢጋድ እኳ እንተነበረት፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ኵናት ምስ ኢትዮጵያ፣ ኣባልነታ ኣደስኪላ።

ካብ 2011 ኣትሒዛ፣ እንደገና ናብቲ ዞባዊ ውድብ ከምዝተመልሰተ እኳ እንተተሓበረ፣ ባንዴራኣ ካብ ምስቃል ሓሊፉ ካልእ ንጥፉ ኣበርክቶ ኣይጸንሓን።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0