ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሕ ፍሉይ ሓይሊ ተወርዋሪ እዚን ግጭት ከይካየድ ተሰጊኡ

Radio Erena: 14 April 2023

ሱዳን፣ ምቛም ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ 11 ሚያዝያ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ፣ ሓውሲ ሚሊሻ ዝኾነ ተወርዋሪ እዚ፣ ኣብ ካርቱምን ካልኦት ኣገደስቲ ከተማታትን ይዋፈር ምህላዉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ሰራዊት ሱዳን፣ ብ13 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ሓይሊ፣ ናብ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ምውፋሩ፣ ብንጹር ሕጊ ዝጥሕሱ ምዃኑ ብምውቓስ፣ ናብ ጎነጽ ከየምርሕ ዘለዎ ስግኣት ኣፍሊጡ።

እቲ ሰራዊት፣ ‘ሱዳን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ቃራና መንገዲ ኣላ’ ክብል ኣጠንቂቑ።

ተወርዋሪ እዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወገኑ፣ ሓይልታቱ ምንቅስቓሱ፣ ኣካል ናይቲ ሰራዊት እታ ሃገር ዘካይዶ ስርሒታት ምዃኑ ብምምልካት፣ ሕጋዊ’ዩ ክብል መሊሱ።

ኣብ ዳርፉር ንዝተጎሃሃረ ግጭታት ንምግታእ፣ ብስርዓት በሺር ዝቖመ ተወርዋሪ እዚ፣ ካብ ሰራዊት እታ ሃገር ብዝተፈልየ መምርሒታት ከምዝእዘዝ ይፍለጥ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ እቲ ሓይሊ ኣብ ምርግጋእ እታ ሃገር ወሳኒ ተራ ስለዝሓዘ፣ ኣዛዚኡ፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ምክትል መራሒ ሃገር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ብወትሃድራዊ ጉጅለ ዝምራሕ መንግስቲ፣ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ንምስግጋር ከካይዶ ካብ ዝጸንሐ ዘተ፣ እቲ ቀንዲን ወሳኒን፣ ምጽንባር ተወርዋሪ እዚ ናብ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን’ዩ።

እዚ ክትግበር ብዘይምኽኣሉ ድማ’ዩ፣ ኣብ 11 ሚያዝያ ክቐውም ዝንበሮ ሲቪላዊ መሰጋግሪ መንግስቲ ክፈሽል ከምዝኽኣለ ተፈሊጡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0