ካብን ናብን ኣስመራ ጁባ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንምዕባይ መጽናዕቲ ይካይድ ኣሎ

Radio Erena: 13 April 2023

ካብን ናብ ኣስመራን ጁባን፣ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንምዕባይ፣ ተወሳኺ መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

መንግስታት ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ከተማታት ስሩዕን ቀጥታውን ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክህሉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምርድዳእ በጺሖም እኳ እንተነበሩ፣ ከምቲ ዝተወጠኖ ከምዘይሰጎመ’ዩ ዝግለጽ።

መርበብ ኣቬሽን ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ብናይ ብሕቲ ኩበንያ ዝውነን፣ ‘ጎልደን ዊንግስ’ ዝተሰምየ መንገዲ ኣየር፣ ኣብ ሰሙን ሓደ እዋን፣ ካብን ናብን ጁባ ኣስመራ በረራ የካይድ ኣሎ።

እንተኾነ፣ እቲ መንገዲ ኣየር፣ ስሩዕን ጽፉፍን ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ’ዩ ዝጥቕስ።

ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን፣ ነፍሲ ወከፈን፣ ገያሾ ከተታኣናግድ ዝኽእል ሓንቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጥራይ ከምዘለወን ይፍለጥ።

መዓርፎ ነፈርታት ኣስመራን ጁባን፣ ብዝሒ ኣህጉራዊ በረራታት ዘየተኣናግድ እኳ እንተኾነ፣ ምስቲ ብዝሒ ኤርትራውያን ነጋዶን ኣውፈርቲን ካብን ናብ ዝገብርዎ ምምልላስ ግና፣ ንክልቴን ሃገራት ቀጥታዊ ምትእስስሳር ኣቭየሽን ከገድሰን ከምዝኽእል እቲ መርበብ ኣሚቱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0