ግብጺ፣ ናብ ሩስያ 40 ሽሕ ተወንጫፊ ሮኬታት ብምስጢር ንምልኣኽ መደብ ከምዘለዋ፣ ልሒዅ ዝወጸ ጸብጻብ ስለያ ኣመሪካ ኣቃሊሑ

Radio Erena: 12 April 2023

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ትካላት መፍረ ኣጽዋር ሃገሩ፣ ናብ ሩስያ ብምስጢር ዝልኣኽ 40 ሽሕ ሮኬታት ከፍርያ ምእዛዙ፣ ንስለያዊ ጸብጻብ ኣመሪካ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

ብመሰረት እቲ ልሒዅ ከምዝወጸ ዝግለጽ ዘሎ ሓበሬታ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ 17 ለካቲት፣ ንወትሃደርውያን ኣዘዝቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ጸገም ከይንኣቱ፣ ምፍራይ ምልኣኽን እቲ ኣጽዋር ብልዑል ጥንቃቐን ምስጢርን ክኸውን ኣለዎ ምባሉ ጠቒሱ።

ካብ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብ ገዚፍ ፊናንስያውን ወትሃደራውይን ሓገዝ ዝግበረላ ግብጺ፣ ናብታ ኣንጻር እዘን ሃገራት መርገጺ ዘለዋን ምስ ዩክሬይን ኣብ ኵናት እትርከብ ሩስያን፣ ብምስጢር ኣጽዋር ክትልእኽ ዝደለየትሉ ዒላማ ኣይተነጸረን።

ቅዳሕ ናይቲ ዝልሓኼ ዝርርብ ከምዝበጽሓ ዝሓበረት መርበብ ዜና ዋሽንግተ ፖስት፣ እቲ መልእኽታት፣ ብምስጡር ናይ መራኸቢ መሳርሒታት፣ ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ መጋቢት ከምዝተበጻጽሐ ኣገንዚባ።

መንግስቲ ግብጺ ብዛዕባ’ዚ ብስለያ ኣመሪካ ልሑዅ ወጺኡ ዝብሃል ዘሎ፣ ምልኣኽ ሮኬታት ናብ ሩስያ ውግዓዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ኣመሪካን መሻርኽትን ይኹና ሩስያ ብተመሳሳሊ ዛጊት ብወግዓዊ ዝገለጾ ነገር የለን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0