ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ፣ ኣብ ከተማ ካምፓላ ወለንታዊ ናይ ጽሬት ወፈራ ኣካይዶም

Radio Erena: 27 March 2023

ኣብ ኡጋንዳ፣ ከባቢታት ከተማ ካምፓላ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ወለንታዊ ናይ ጽሬት ወፈራ ከምዘካየዱ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ኣብ ካንሳንጋ፣ ኣብ ዝርከብ ሓያሎ ከባቢታት፣ ብ25 መጋቢት ዝተኻየደ ወለንታዊ ናይ ጽሬት ወፈራ፣ ብማሕበር ስነ ጥበብ ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ ዝተወደበ’ዩ።

ዒላማ እቲ ወለንታዊ ናይ ጽሬት ወፈራ፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ ምስ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንምውህሃድን ማሕበራዊ ኣበርክቶኦም ንምርግጋጽን ዘንቐደ ምዃኑ መርበብ ዜና PML Daily ሓቢሩ።

ሓደ ካብ ወደብቲ ናይቲ ወፈራ፣ ኣቶ የማነ ሃይለ ነቲ መርበብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መብዛሕትና ኣብ ኡጋና እንነብር ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኮይና ዝመጻእና ስደተኛታት ኢና ድሕሪ ምባሉ፣ መንግስትን ህዝብን እታ ሃገር ንዝገበርሎም ምቕሉል ኣቀባብላ ኣመስጊኑ።

ንኡጋንዳ ከም ካልኣይቲ ሃገርና ኢና ንርእያ ዝበለ የማነ፣ ነቲ ህዝቢ ዘለዎም ፍቕሪ ንምግላጽ ነዚ ወለንታዊ ናይ ጽሬት ወፈራ ከካይዱ ከምዝተበገሱ ኣስሚርሉ።

እቲ ተበግሶ፣ ኣብ መንጎ ማሕበረኮም ኤርትራውያንን ዜጋታት ኡጋንዳን ምሕዝነትን ምውህሃድን ንምሕያል ከተባብዕ ከምዝኽእል’ውን ጠቒሱ።

ሳሙኤል ይጋ ኪስካየ ዝተብሃለ ሓደ ካብ ምምሕዳር ከባቢ ካንሳንጋ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ መጀመርያ ኤርትራውያን ከም ወጻእተኛታት ይርኣዩ ምንባሮም ብምምልካት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ኡጋንዳውያን ብዘይጸገም ምስኦም ሓቢሮም ክነብሩ ከምዝኽእሉ ተማሂሮም’ዮም ክብል ኣስሚርሉ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ዘመሓድሮ ከባቢ ዝነበሩ ኡጋንዳውያን፣ ኤርትራውያን ዝተፈልየ ባህሊ ኣለዎም ብዝብል ብስግኣት ይጥምትዎ እኳ እንተነበሩ፣ ድሒሮም ግና ጥዑማት ህዝቢ ምዃኖም’ዮም ፈሊጦም ኢሉ።

ኣብ ልምዓት እቲ ከባቢ ብዙሕ ኣበርኮቶም ‘ዮም ድሕሪ ምባል ድማ፣ እቲ ዝወሰድዮ ወለንታዊ ናይ ጽሬት ወፈራ ነቲ ዝጸንሖም ሰናይ ጠመተ ዘራጉድ ምዃኑ ደምዲሙ።

ኣብ ኡጋንዳ፣ ካብ ዓበይቲ ናይ ወፍሪ ትካላት ክሳብ ኣብ ኣሽቱ ዱኳናት ኣብ ሸቐጥን ኣብ ንግድን ዝተዋፈሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ከምዘለው ይፍለጥ።

መብዛሕቶም እቶም ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጽኦም ኣብ ኡጋንዳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ዝነብሩ’ዮም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0