ሱዳን ፈጣን ሓይልታት ምስ ሰራዊት መንግስቲ ከም ዘይዋጋእ ተገሊጹ

Radio Erena: 28 February 2023

ሰራዊት ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ምስ ሰራዊት መንግስቲ ናይ ምውጋእ ዕላማ ከም ዘይብሉ፡ ምክትል ኣዛዚ ናይቲ ሓይሊ ዓብደርሒም ዳግሎ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ ብቀዳም 26 ለካቲት ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ መአዘዚ ነቑጣ ናይቲ ሓይሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እዩ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን እዚ ጉጅለን ዝነበረ ዝምድና እናኸረረ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ሱዳን፡ እቲ ሰራዊት ናብ ምዱብ ሓይልታት ምክልኻል ናይታ ሃገር ክጽንበር ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ሓይሊ ኣብ ዞባ ዳርፉርን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ዝጸንሐ ሰራዊቱ ናብ ካርቱም የግዕዝ ከም ዘሎን፡ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ናይታ ሃገር ኣብ ግጭት ክኣቱ ከም ዝኽእልን ዝሕብር ዜናታት ክናፈስ ቀንዩ።

ምክትል ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ግን “እዚ ምስሊ ሓይልታትና ንምጽላም፡ ሞራልና ንምስባርን፡ ናብ ህዉኽ ስጉምቲ ንኽንኣቱ ንምስግዳድናን ዝግበር ዘሎ ዘመተታት እዩ” ይብል።

ኣብ ሱዳን ንትግባረ ስምምዕ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣመልኪቱ ኣብ መንጎ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለን ሲቪላውያን ተወከልቲን ዘይምርድዳእ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመሓመድ ደጋሎ ማለት ሑመቲ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ምስ ሲቪላውያን ወከልቲ ህዝቢ ብምውጋኑ፡ ምስቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ይሕበር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0