ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ናብ ሱዕዲ ዓረብ ኣምሪሑ

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

Radio Erena: 28 February 2023
ፕረዚደንት ኢሳያስ ናይ 2ተ መዓልታት ምብጻሕ ስራሕ ንምፍጻም፡ ብሰሉስ 28 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሱዕድያ ኣምሪሑ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ንጉስ ካልድ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ልኡል መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ ከም ዝተቐበልዎ ተፈሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ መገሻ፡ ነየኖት ዛዕባታት ኣልዒሉ ከም ዝዛራረብ፣ ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበሉን።

ካብ ኣህጉራዊን ዞባዊን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ተገሊሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፣ ናብ ኬንያ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ወግዓዊ ምብጻሕ ክገብር ጀሚሩ’ሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0