ሶማል፣ ኣስታት 3 ሽሕ ተዓለምቲ ናብ ኤርትራን ኡጋንዳን ሰዲዳ

Radio Erena: 02 February 2023

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣስታት 3 ሽሕ ተዓለምቲ ናብ ኤርትራን ኡጋንዳን ከምዝሰደደት ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነት፣ ሑሰን ሸኽ ዓሊ ገሊጹ።

ንሱ፣ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ እቶም ሶማላውያን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ናብ ኤርትራን ኡጋንዳን ከምዝተላእኩ ኣረጋጊጹ።

ኤርትራ፣ ካብ 2009 ኣትሒዙ በብእዋኑ ንዝተቐበለቶም ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል፣ ን3 ዓመታት ብምስልጣን፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዛ ናብ ዓዶም ተፋንዎም ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሶማል፣ ናብ ግብጺን ኢትዮጵያን፣ ኣስታት 6 ሽሕ ተዓለምቲ ክትልእኽ’ያ።

ምስ ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ንምዝርራብ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዋሽንግተን ዝቐነየ ኣማኻሪ፣ ሶማል ክሳብ መወዳእት 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ብጠቕላላ ኣስታት 15 ሽሕ ሓደስቲ ወትሃደራት ንምስልጣን መዲባ ከምዘላ ኣስሚርሉ።

ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳብ መወዳእታ 2024 ካብ ሶማል ክወጽእ ተታሒዙ ብዘሎ መደብ መሰረት፣ መንግስቲ ሶማል ነቲ ሰራዊት ንምትካእ ኣስታት 24 ሽሕ ወትሃደራት ከሰልጥን ወጢኑ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ነዚ መደብ እዚ ንምትግባር፣ ብዘይካ’ቲ ሓድሽቲ ተዓለምቲ ናብ ጎረባብቲ ናይ ምልኣኽ መደባት፣ ካብ ኣመሪካን ካልኦት መሻርኽቲን ናይ ኣጽዋርን ሎጂስቲክስን ደገፍ ንምርካብ ዝርርባት የካይድ ከምዘሎ ይግለጽ።

ዑደት ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነት ናብ ኣመሪካ፣ ኣብዚ ዙርያ’ዚ ዘተኮረ ምዃኑ ይትንተን።

ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ዘመተ ኣዊጁ ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ምስተን ሰራዊተን ናብታ ሃገር ልኢኸን ዘለዋ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኣብ ባሕቲ ለካቲት፣ ኣብ ሞቛድሾ ዋዕላ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ሶማል ክሳብ መወዳእታ 2023 ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን ተመባጺዑ ኣሎ።

ካብ ሓያሎ ከባቢታት ሶማል፣ ተደፊኡ ዝስሕብ ዘሎ ኣልሸባብ፣ ስልቱን ስትራቴጂኡን ብምቕያር፣ ኣብታ ሃገርን ጎረባብቲን መጥቃዕታት ከየካይድ ይስጋእ።

ስ እሊ፦ ሶማላውያን ተዓለምቲ ኣብ ኤርትራ (ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0