ወተሃደራዊ ዕልዋ ሱዳን ኣብቂዑ፣ ሲቪላዊ ግዚያዊ መንግስቲ ዝምስረተሉ ስምምዕ ጽባሕ ብወግዒ ክፍረም’ዩ

Radio Erena: 04 December 2022

ወተሃደራዊ ዕልዋ ሱዳን ኣብቂዑ፣ ሲቪላዊ ግዚያዊ መንግስቲ ዝምስረተሉ ስምምዕ ጽባሕ ሰኑይ 5 ታሕሳስ ብወግዒ ክፍረም ምዃኑ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ምኽትሉ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ ምስ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ከካዪዱዎ ዝጸንሑ ዘተ ግብራዊ ክኸውን፣ ወግዓዊ ፊርማኦም ከንብሩ ከምዝተሰማምዑ ሓቢሮም።

ብተዓዛብነት ሕብረት ኤውሮጳ ዝተኻየደ ዘተ ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ዝተዛዘመሉ፣ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣኑ ኣረኪቡ፣ ግዚያዊ መንግስቲ ንኽትከል ኣብ ዝብል ዛዕባ ዘተኮረ ዝርርብ ብዓወት ስለዝተዛዘመ፣ ፊርማና ነንብረሉ እዋን ኣኺሉ’ዩ ኢሉ።

ኣብቲ ዘተ ቀንዲ መሓንቖ ኮይኖም ዝጸንሑ ከም ፍትሒ ንዝተበደሉ፣ ምትዕርራይ ሓይልታት ጸጥታ፣ ምፍታሕ ዕጥቂ ናይቲ ዝወደቐ ስርዓት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣብ መዕለቢ ክበጽሑ ተኸታታሊ ዝርርብ ከካዪዱ፣ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ብክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝወጸ መግለጺ ተመልኪቱ።

ብሓይሊ ብረት ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን፣ እቲ ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራሙ፣ ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ስልጣኑ ጠቕሊሉ ከረክብ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ብካልእ ወገን ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ምስ ካልኦት ንኣሽቱ ውድባትን ማሕበራትን ከካዩዶ ወጢኑ ዝነበረ ኣኼባ ከምዝሰረዞ ማዕከናት ዜና ሱዳን ገሊጸን።

ኤፍ.ሲ.ሲ. ካብቲ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሱዳን ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ኣኼባ ዝቦኸረሉ ቀንዲ ምኽኒያት፣ ‘ብሚኒ ሚናዊ ዝምራሕ ውድብ ንዓና ከየፍለጠ ኣቐዲሞም ዘይተዓደሙ ሓይልታት ክመጹ ስለዘፍቀደ እዩ፣ ብምባል መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ብሓይሊ ብረት ካብ ዝሓዘሉ እዋን ተቓውሞኡ ዘየቋረጸ ህዝቢ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉጅለ እምነት ከምዘይብሉ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0