ባንክ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ጨናፍር ዘለወን ኩለን ባንክታት ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምራ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ

Radio Erena: 04 December 2022

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ጨናፍር ዘለወን ኩለን ባንክታት ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምራ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ብፍላይ ኣብ’ተን ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝቆጻጸረን ከተማታት ዝርከባ ባንክታት፣ ኦዲት ገይረን ስሩዕ ስርሐን ክጅምራ እቲ ሃገራዊ ባንክ ወሲኑ።

እቲ ትእዛዛትን መምርሒ ስራሕን ኣቐዲሙ ከምዝተዋህበ ዝገልጽ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ባንክታት ስሩዕ ናይ ምቕማጥን ለቓሕን ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣቐዲመን ኣለቂሐናኦ ዝጸንሓ ገንዘብ እውን ኣታዊ ክገብራ ክጅምራ ከምዘለወን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብቲ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኤለክትሪክን ዝጀመረ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፈርን ድሮ ስርሐን ዝጀመራ ባንክታት፣ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ጨናፍራተን ግና ዛጊት ከምዘይከፈታ ይግለጽ።

ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ኣገልግሎታተን ኣቋሪጸን ዝጸንሓ ንግዳውያን ባንክታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ጥራይ ልዕሊ 300 ጨናፍር ኣለወን።

እዘን ጨናፍራት ባንክ ኣገልግሎታተን ካብ ዜሮ ይጅምራ ስለዘለዋ፣ ምስቲ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ዘሎ ዓቢ ጠለብ፣ ዋሕዲ ባጤራ ከጋጥመን ምዃኑ፣ ተንተንቲ ቁጠባ’ታ ሃገር ገሊጾም።

ልዕሊ 135 ጨናፍር ዘለዎ ላየን ኢንተርናሽናል ባንክ፣ ‘ብፍላይ ከባቢታት ትግራይ ልዑል ምንቅስቓስ ንግድን ቁጠባን ስለዝነበረ፣ ነቲ ጠለብ ንምምላእ ደገፍ ሃገራዊ ባንክ የድልይ እዩ’ ድሕሪ ምባል፣ ‘ናይ ዝዓነዉ ፋብሪካታትን ዓበይቲ ናይ ቁጠባ ትካላትን እኹል መጽናዕቲ ከይተኻየደ፣ ናይ ለቓሕን ምእካብ ዕዳን መስርሕ ምጅማር ኣጸጋሚ እዩ’ ክብል ፕረዚደንት’ቲ ባንክ ዳኒኤል ተኸስተ ገሊጹ።

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፣ ኩለን ባንክታት መማዪት ኮሚቴ ብምቛም ምስ ዝምልከተን ሚኒስትሪታት ብቐጥታ ክራኸባን፣ ኣውሓስቲ ዘተ ንሰላም መሪጾሞ ዘለዉ ሓይሊ ዕማም፣ በጺሑዎ ንዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ክከታተሉን ኣዘኻኺሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0