ኡጋንዳ፣ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣዊጃ

Radio Erena: 21 September 2022

ኡጋንዳ፣ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣዊጃ።

ሰበ ስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ብዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ኣብ ማእከላይ ኡጋንዳ ኣብ እትርከብ፣ ዞባ ሙበንደ፣ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ፣ ብቫይረስ ኢቦላ ተለኺፉ ከምዝሞተ ምስተረጋገጸ’ዩ እቲ ኣዋጅ ተመሓላሊፉ።

ኣቐዲሞም ኣብቲ ዞባ ብዝተመሳሳሊ ምኽንያት ናይ ዝሞቱ ሽዱሽተ ሰባት ጉዳይ’ውን መርመራ ይካየደሉ ኣሎ።

ካልኦት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከይኮኑ ዝተጠርጠሩ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ሕክምና ተዓቝቦም ይርከቡ።

እቲ ዞባ፣ ካብ ሕማም ኢቦላ ናጻ ምዃኑ ክሳብ ዝረጋገጽ፣ ካብን ናብን ዝግበር ምንቅስቓሳት ክድረትን ህዝቢ ክነቅሓሉን ሚኒስትሪ ጥዕና ኡጋንዳን ውድብ ጥዕና ዓለምን ጸዊዖም።

እዚ ኣብ ኡጋንዳ ድሕሪ 10ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ተስፋሕፊሑ ከይከውን ዝስጋእ ዘሎ ዓይነት፣ ብስም እቲ ኣብ 1976፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ከተማ ጁባ ዝተራእየ፣ ብሱዳን ኢቦላ ቫይረስ ዝፍለጥ’ዩ።

ኢቦላ፣ ከም ረስኒ፣ ቃንዛ መላግቦታት፣ ቅርጥማት፣ ደም ዝተሓወሶ ውጽኣት፣ ተምላስ፣ ሸውሃት ምእባይ፣ ድኻምን ሰሓ ጎሮሮን ዝኣመሰለ ምልክታት ዘለዎ፣ ብቫይረስ ዝመሓላለፍን ውሽጣዊ መድመይቲ ብምስዓብ ዝቐትልን ሕማም’ዩ።

ካብ ሰን ናብ ሰብ ድማ፣ ብምትንኻፍን ከም ደም፣ ሺንቲ፣ ቀልቀልን ተምላስን ዝኣመሰሉ ካብ ውሽጢ ዝትፍኡ ፈሰስቲ ብቐሊሉ ዝመሓላለፍ ኮይኑ፣ በዚ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ቅልጡፍ ሕክምናዊ ረዲኤት ክረክብ እንተዘይክኢሉ ናብ ሞት ዘበጽሕ ተላባዒ ሕማም’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት፣ እዚ ሕማም ብብዝሒን ተደጋጋሚን ዝተራእየሉ ክፋል ዓለምና ምዃኑ ሰነዳት ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0