ሓይልታት ትግራይ ሓያሎ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸሩ ገሊጾም

Radio Erena: 29 August 2022

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ሓይልታት ትግራይ ሓያሎ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸሩ ገሊጾም።

ወሃብ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብዕለት 28 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንእትርከብ ከተማ ቆቦን፣ ካልእ ከባቢታትን ኣብ ዝተቖጻጸረሉ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ከምዝተቐተሉ ገሊጹ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ህዝቢ ብጻዕቂ ኣብ ዝቕመጠሉ ከባቢ ኲናት ብምክያድ ንዝመጽእ ዕንወት ንምውጋድ፣ ሰራዊቱ ካብ ከተማ ቆቦ ስሒቡ፣ ኣብ ከባቢታት’ታ ከተማ ዓሪዱ ምህላዉ ገሊጹ።

ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ፣ ዝኾነ ጋዜጠኛ ከይኣትዎ ብመንግስቲ ስለዝተኸልከለ፣ ብክልቲኦም ወገናት ዝወሃብ መግለጺታት፣ ብሳልሳይ ኣካል ንምርግጋጹ ኣሸጋሪ ኮይኑ ይርከብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህወሓት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብምዕስካር ማዕበል ድሕሪ ማዕበል ናብ ኲናት ብምጥባስ፣ ህልቂት የስዕብ ኣሎ ክብል ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ። ተመሳሳሊ ክሲ ብወሃብ ቃል ህወሓት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዋሂቡ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ቆቦን ከባቢኣ ዝርከባ ዓድታትን ዝነብር ህዝቢ፣ ህይወቱ ንምድሓን፣ ብብዝሒ ናብ ካልኦት ከተማታት ይሳግም ምህላዉ ይግለጽ።

ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ሓያሎ ወገናት ጻዕሪ ክካየደሉ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም፣ ብዘይፍረ ምውድኡ ከምዘሕዘኖ ዝገልጽ ዘሎ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ኣብ መጨረሽታ ብዘተ ጥራይ ንዝፍታሕ ፖለቲካዊ ፍልልይ፣ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ምጥፋእ ዘይሓላፍነታዊ እዩ ክብል ይኸስስ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0