መ.ኢትዮጵያ ዳግማይ ደብዳብ ነፈርቲ ከካይድ ምዃኑ የጠንቅቕ

Radio Erena: 28 August 2022
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ምክያዱ፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ተቓውሞ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፣ ተወሳኺ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
በዓል ስልጣን መራኸቢታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘውጸኦ ሓጺር መግለጺ፣ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ፣ ካብ ወተሃደራዊ ከባቢታት ክእለ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ትማሊ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጸ መግለጺ፣ ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝዓለመ እኳ እንተኾነ፣ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ህዝቢ ኣገልግሎት ኢንተርነት ስለዘይረክብ ዘሎ፣ እቲ መጠንቀቕታ ሓላፍነት ዝጎደሎ እዩ ዝብል ነቐፌታ ይዘንቦ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ህጻናት ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ሞይቶምን ቆሲሎምን እዮም።
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ ‘እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ህጻናት ኣብ ዝጻወቱሉ ከባቢ ደብዳብ ከካዪድ ምጅማሩ፣ ምልክት ቀቢጸ-ተስፋ’ዩ’ ክብሉ ኮኒኖሞ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ወተሃደራዊ ዒላማ ዝገበረ’ዩ ኔሩ ብምባል፣ ንመጉዳእቲ ሰላማውያን ሰባት፣ ህወሓት ዝመሃዞ ድራማ’ዩ ምባል ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ደብዳብ ነፈርትን ኣብ ህጻናት ዘውረዶ መጉዳእትን ብምኹናን፣ ሕጂ’ውን ተኹሲ ብቕጽበት ደው ኢሉ፣ ዘተ ሰላም ክቕጽል ተማሕጺኑ።
ኣብቲ ብዓርቢ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ከምዝጀመረ ዝተገልጸ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ህጻናት ዝጻወቱሉ ከባቢ ደኣ’ምበር ወተሃደራዊ መናሃርያ ኣይነበረን፣ ክብል ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ዓይደር፣ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ጸኒዑ ዝጸንሐ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምጥሓሱ፣ ክልቲኦም ወገናት ሓድ-ሕድ ክወቓቐሱ እንከለዉ፣ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ብህወሓት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ ዘንቀደ ደብዳብ ነፈርቲ ሕጂ’ውን ከካዪድ እዩ ክብል’ዩ በዓል መዚ መራኸቢታት’ቲ መንግስቲ ዘጠንቅቕ።
ኣብ ጂቡቲን ሲሸልስን ክልተ እዋን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ዝንገረሎም ክልቲኦም ወገናት፣ ኲናት ብቕጽበት ደው ኣቢሎም ዘተ ሰላም እንተዘይጀሚሮም፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ክወርድ ዝኽእል ጉድኣት፣ ንምግማቱ ዘሸግር ክኸውን’ዩ ክብል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ምሕጽንታኡ ኣቕሪቡ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0