ፕረዚደንት ሶማል፣ ከም መቐጸልታ ናይዚ ዞባ ዑደቱ ናብ ግብጺ ኣትዩ

Radio Erena: 25 July 2022

ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ዑደቱ ብኤርትራ ዝፈለመ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ግብጺ ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ25 ሓምለ ናብ ካይሮ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ኣብ ኩሉ መዳያዊ ዝምድና ሃገሩ ምስ ግብጺ ብምትኳር ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ተመያይጡ።

ፕረዚደንት ሓሰን፣ ብጉዳይ ‘ቲ ኣብ ሶማል ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂን ንምክትታል ናብታ ሃገር ዝኣተወት፣ ዳይረክተር ኣመሪካዊ ትካል ረዲኤትUSAID፣ ሳማንታ ፖወር፣ ኣብ 24 ሓምለ፣ ኣብ ሞቛድሹ ተመያይጡ’ዩ ናብ ካይሮ ኣቕኒዑ።

ነዚ ሓለፈ ሓያሎ ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ፣ ዝምድናኣ ኣብቲ ዞባ ምስ ዝረከባ ሃገራት ንምዕባይ ክትሰርሕ ጸኒሓ’ያ።

ኣብ 15 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ሶማል ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ፣ ኣብ 23 ግንቦት ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ረብሓታት ሃገሩ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝህልዎ ዝምድና ሚዛናዊ ከምዝኸውን ተንትንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ናይዚ ዞባ ዑደቱ፣ ኣብ 9 ሓምለ ብኤርትራ ዝፈለመ ፕረዚደንት ሶማል፣ ዛጊት ናብ ጂቡቲ፣ ኬንያ፣ ታንዛንያን ሕጂ ድማ ናብ ግብጺ በጺሑ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ 18 ሓምለ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ መደብ እኳ እንተነበሮ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ብዘቕረቦ ጠለብ ናብ ካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ መርበባት ዜና እታ ሃገር ጠቒሰን።

ዑደት ፕረዚደንት ሶማል ናብ ኢትዮጵያ ናብ ካልእ እዋን ዝተሰጋገረሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0