ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ 50 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: 25 July 2022

ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ 50 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

እቶም ካብ ካብ ክልተ ሰሙን ክሳብ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተታሒዞም ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብ21 ሓምለ ካብ ኤርትራ ምስተፋነዉ፣ ኣልኮባ ናብ ዝተባህለ ክፋል ወደብ ሖደይዳ ናይ ከምዝኣተዉ፣ መርበብ ሓበሬታ ኣል ኣኽባር ኣል የመኒ ኣረጋጊጹ።

እቶም የመናውያን፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ኪሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ምስተታሕዙ ንብረቶም ጀላብኦምን ተሃጊሮም ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ እቲ መርበብ ገሊጹ።

ኤርትራ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ክሊ ማያ ዓሳ ንዝገፉ የመናውያን በብእዋኑ ክትሕዞም ምጽንሓ ዝስማዕ እኳ እንተኾነ፣ እቶም የመንናውያን ግና ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ከምዝተታሕዙ’ዮም ዝወቕሱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ምትሓዝ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ መብርሂ ሂቡ ኣይፈልጥን።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0