ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ብሃንቀውታ ክጽበይዎ ዝወርሑ፣ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2022፣ ብዓወት መርሃዊ ቅዱስ ተፈጺሙ

Radio Erena: 27 June 2022

ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2022 ብዓወት ተቐዳዳማይ ኣሜሪካዊት ዎርልድ ቱር ቲም EF Education-EasyPost መርሃዊ ቅዱስ ተፈጺሙ።

ኣብ’ቲ ብሰንበት 26 ሰነ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝተሰላሰለ 176 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ውድድር ጽርግያ፡ መርሃዊ ቅዱስን ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ፕሮኮንቲነንታል ቲም Drone Hopper – Androni Giocattoli ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሃዲሞም፡ ምስ’ታ ብተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty – Gobert Matériaux ቢንያም ግርማይ ክትቅለስ ዝወዓለት ጉጅለ፣ ንልዕሊ 110 ኪሎ ሜትር ሓያል ርብርብ ብድሕሪ ምክያዶም፡ ንበይኖም ብዓወት ኣብ መዛዘሚ መስመር በጺሖም።

ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ዝወጸ ናትናኤል፡ ጭዋ ዝኾነ ስፖርታዊ ስነ ምግባር ብምንጽብራቕ፡ ነቲ ንዝበዝሐ ጉዕዞ ዝዓመመ መርሃዊ “ዓወት ይግብኣካ” እዩ ኢሉ፡ ንቀዳማይ ተርታ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ክኸውን ከሎ፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቴለ ንያት ርእሶም ድማ፡ ካብ ዓባይ ጉጅለ ንበይኑ ብምምላጥ ሳልሳይ ደረጃ ኣብ ርእሲ ምሓዙ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ድማ፡ ሻምፕዮን ኮይኑ።

ከም ውጽኢት ናይ’ዚ፡ መርሃዊ ቅዱስ ውድድር ጽርግያ ኣብ ዘካይደሉ እዋናት፣ ንዓመት ምሉእ ብባንዴራ ኤርትራ ዘጌጸ ማልያ ክለቡ ለቢሱ ክጻወት እዩ።

ዝሓለፈ ዓርቢ “ሻምፕዮን ውድድር ክሮኖሜትር ትሕቲ 23 ዓመትን ሲንየርን ተቐዳደምቲ ኤርትራ” ዝብል ክብሪ ዝተላበሰ ቢንያም ግርማይ ብወገኑ፡ ኣብ እዋን ውድድር ክሮኖሜትር ብተመሳሳሊ ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቀበ ማልያ ተኸዲኑ ክቀዳደም እዩ።

ተቐዳዳሚት ዞባ ደቡብ ሞናሊዛ ኣርኣያ ብወገና ሻምፕዮን ትሕቲ 23 ዓመትን ሲንየርን ደቂኣንስትዮ ክትከውን ከላ፡ መትከል ገብረትንሳኤ ካብ ጋንታ ሰምበል ሻምፕዮን ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ሪምና ጉዕሽ ካብ ጋንታ ዓራግ ሻምፕዮን ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ንምዃን በቒዖም።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0