ሰሜን ኮርያ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ምስፍሕፍሑ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታውያን ሰበ ስልጣን ‘ዮም ክብል መራሒኣ ገሊጹ

Radio Erena: 17 May 2022

ምስ ኤርትራ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ እትሕሰም ዘላን፣ ነቲ ለበዳ ብምስጢር ሒዛቶ ዝጸንሐትን ሰሜን ኮርያ፣ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታውያን ሰበ ስልጣን ምዃኑ፣ መራሒኣ ኪም ጆንግ ኡን ወቒሱ።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ መራሒ ኣብ ዘካየዱ ህጹጽ ኣኼባ፣ ሰበ ስልጣንን ሰብ መዚ ጥዕናን፣ ዝተዋህቦም ትእዛዛት ብግቡእ ስለዘየተግበሩ፣ ኣብ ሰሜን ኮርያ ረስኒ ዘስዕብ ሕማም ከምዘስፋሕፈሐ ገሊጹ።

ሰሜን ኮርያ፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ፣ ብሰንኪ’ቲ ረስኒ ዘስዕብ ሕማም ሸሞንተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ 392,920 ሰባት ድማ ከምዝተለኽፉ እቲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ካብ ወርሒ ሚያዝያ ንደሓር ብጠቕላላ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ዘመልከተ እቲ ማዕከን ዜና፣ በቲ ረስኒ ዘስዕብ ሕማም ናይ ዝተለኽፉ ብዝሒ ሰባት ልዕሎ 1.2 ሚልዮን ምብጽሑ ጠቒሱ።

ካብዝኣቶም እቶም ልዕሊ 500 ሽሕ፣ ኣብ ሆስፒታላት ሕክምናዊ ክንክን ዝተገብረሎም’ዮም።

ኮረና ቫይረስ ካብ ምባል ዝተቖጠበ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ፣ ነቲ ለበዳ ‘ረስኒ ዘስዕብ ሕማም’ እናበለ’ዩ ዝገልጾ።

ንህዝበን ክታበት ኮረና ቫይረስ ዝሓረማ ክልተ ሃገራት ዓለም፣ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ጥራይ ክኾና እንከለዋ፣ ስበ ስልጣናተን ግና ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝገሽሉ ኣጋጣሚታት ክኽተቡ ከምዝኽኣሉ’ዩ ዝንገር።

እዘን ሃገራት ንክታበት ኮረና ቫይረስ ዝተሓሰማሉ ምኽንያት፣ ንዘለዎ ጎናዊ ኣሉታዊ ሳዕቤን ብምስጋእ፣ ንህዝበን ካብ ዘለወን ሓልዮት ድዩ ወይስ ካልእ ፖለቲካዊ ኣጀንጃ፣ መግለጺ’ውን ኣይሃባሉን።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0