ጀ.ኣልቡርሃን፣ ኣሲሩዎም ዘሎ ፖለቲከኛታት ኣብዚ ሳልስቲ ክፈትሖም ቃል ኣትዩ

Radio Erena: 17 April 2022
ዓብደል-ፋታሕ ኣልቡርሃን ናይ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘጽነሖም ፖለቲከኛታት፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሰለስተ መዓልታት ናጻ ክሰዶም ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ቤት ጽሕፈት ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓለፍቲ ዓቃብ ሰላም፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ብሓባር ምስ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ድሕሪ ዘካየዱዎ ዘተ፣ ዝመጽእ ሃገራዊ ዋዕላ ዕዉት ንክኸውን፣ እቶም ፖለቲከኛታት ብናጽነት ተሳትፎኦም ክረጋገጽ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጹ ከምዝተወሰነ ሓቢሩ።
ፖለቲከኛታት፣ ተጣበቕቲ መሰላትን ጸለውቲ ዝበሃሉ ሰባትን ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጹ፣ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ክግበር ጸኒሑ እዩ።
ገለ ካብቲ ሃገራዊ ዘተ ንምዕዋት ዝተጠቕሰ ነጥብታት፣ ፖለቲከኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ክወጹ፣ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝግበር ጎነጽ ደው ክብል፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክለዓል ዝብል ይርከቦ።
ካብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣትሒዙ ጥራይ 18 ኣባላት ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን ክእሰሩ እንከለዉ፣ ብውሑዱ 21 ፖለቲከኛታት ከኣ ካብ ማእከል ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብር ዝነበረ ህዝቢ ተወሲዶም፣ ዛጊት ኣበይ ከምዘለዉ ደሃዮም ከምዘይፍለጥ ጸብጻባት ዜና ካብታ ሃገር የመልክቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0