ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይገፉ

Radio Erena: 17 March 2022

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽዑቕ ግፋ የካይዱ ኣለዉ።

እዚ ሰሙኑ ኣቝጺሩ ዘሎ ግፋ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምህዳን ዝዓለመ ምዃኑ እኳ እንተተጠቕሰ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ወረቐት ዘለዎን ዘይብሉን ከይፈላለዩ ብኣልማማ የካይድዎ ምህላዎም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ካርቱም ይወቕሱ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝገፍዎም ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ንገለ ገንዘብ ከፊሎም ክወጹ ይሓትዎም ምህላዉ እቶም ነበርቲ ገሊጾም።

ሱዳን፣ ብፍላይ ካብ ኢትዮጵያ ንዝሰለዅ ንምህዳን ብዝብል ነቲ ግፋ ተካይዶ ከምዘላ ‘ዩ ዝግለጽ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን፣ ይበልጣል ኣእምሮ ኣለሙ ብዛዕባ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ግፋን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ሃገሩን ከምኡ ድማ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝካየድ ምንቅስቓስ ሰባትን ብዝምልከት ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምክትል ሓላፊ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ከምዝዘተየ መርበባት ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጽን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተደጋጋሚ እዋን ግፋ ከምዘካይድ ይፍለጥ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0