ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን፣ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓትን ተታዅሶም

Radio Erena: 17 March 2022

ንኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዘዳውብ ክልል ጋምቤላ ብዝተኻየደ ግጭት ኣብ ሰብን ንብረት ጉድኣት ከምዘውረደ ተሓቢሩ።

እቲ ግጭት፣ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ብ15 መጋቢት፣ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ናብ ክልል ጋምቤላ ምስ ኣተዉ፣ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ክልል ከምዝተኻየደ ብወገን ኢትዮጵያ ተገሊጹ።

በቲ ግጭት ኣብ ሰብ ዝበጽሕ ጉድኣት ብዝርዝር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ እዚ ዓመት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብተመሳሳሊ ግጭት ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉን ሸሞንተ ህጻናትድማ ከምዝጨወዩን ወሃቢ ቃል ክልል ጋምቤላ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት ናይቲ ክልል ሓበሬታ፣ ብሰንኪ እቲ ግጭታት፣ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ክፈናቐሉ እንከለዉ፣ ኣስታት 300 ከብቲ ድማ ተዘሚተን።

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ቀቢላታት፣ ብጉዳይ መጋሃጫ፣ ዝምታ ከብትን ካልእ ቀቢላዊ ምስሕሓባትን ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ይውላዕ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0