ኣብ ሃምቦርግ፣ ጀርመን፣ ሓንቲ ጓል 25 ዓመት ኤርትራዊት፣ ብካራ ተወጊኣ ተረኺባ

Radio Erena: 23 February 2022

ኣብ ሃምቦርግ፣ ጀርመን፣ ሓንቲ ጓል 25 ዓመት ኤርትራዊት፣ ብካራ ተወጊኣ ከምዝተረኽበት፣ ፖሊስ’ታ ከተማ ሓቢሩ።
ምስታ ግዳይ ኣብ ተመሳሳሊ ህንጻ እትነብር ጎረቤት፣ ምልክታት ደም ብምርኣያ፣ ብቐጥታ ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምድዋላ እያ እታ ኤርትራዊት ኣብ ገዝኣ ተጎዲኣ ተረኺባ።
ኣብቲ ብሰንበት 20 ለካቲት ዝተራእየ ዘሕዝን ፍጻሜ፣ ነታ ጓል 25 ዓመት መንእሰይ ኤርትራዊት ቀዳማይ ረዲኤት ተገይሩላ ናብ ሆስፒታል ክትበጽሕ እኳ እንተኸኣለት፣ መውጋእታ ከቢድ ብምንባሩ፣ ህይወታ ምሕላፉ ተገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ፖሊስ’ታ ከተማ ንመጻምድቲ’ታ ግዳይ ከም ቀዳማይ ጥርጡር ብምሓዝ፣ መርመራ የካይደሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ንግዚኡ ‘ዘቤታዊ ዘይምርድዳእ ዘስዓቦ’፣ ካብ ምባል ሓሊፉ ብዛዕባ’ቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።
መርማሪ ፍሉይ ገበናት ቅትለት፣ ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ጀሚሩ’ሎ ዝብል ምምሕዳር ፖሊስ ሃምቦርግ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቀዳማይ ጥርጡር ዘሎ ወዲ 35 ዓመት ኤርትራዊ፣ ዘካዪዶ ዘሎ መርመራ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ከሰጋግሮ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።
ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ኣብ መንጎ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ዘቤታዊ ዓመጽን፣ ቅትለት መጻምድትን ዝያዳ እንዳገነነ ይመጽእ ምህላዉ፣ ኣብ ሓያሎ ዜጋታት ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብ ህይወቶም ጸገማት ይኹን ጸቕጢ ዝስመዖም ዜጋታት፣ ጎነጽ ኣወጊዶም፣ ናይ ሰብ ሞያ ረዲኤት ከናድዩ ከምዝግባእ፣ ሰብ ሞያ ስነ-ኣእምሮ ብተደጋጋሚ ከዘኻኽሩ ጸኒሖም እዮም።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0