ዩጋንዳ፣ ኣብ ምኽባር ጸጥታ ዝዋፈር ሓይሊ ፖሊስ ናብ ሶማል ልኢኻ

Radio Erena: 24 February 2022
ዩጋንዳ፣ ኣብ ምኽባር ጸጥታ ዝዋፈር ሓይሊ ፖሊስ ናብ ሶማል ልኢኻ።
እቲ ብሰሉስ 22 ለካቲት ናብ ሶማል ዝኣተወ ሓይሊ ፖሊስ፣ ኣካል ዓቃብ ሰላም ሰራዊት (ኣሚሶም) ኮይኑ፣ ሲቪላዊ ገበናት ኣብ ምቁጽጻርን፣ ጸጥታ ኣብ ምኽባርን ከምዝዋፈር፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ኮማንደር ናይቲ ሓይሊ ፖሊስ ዳኒኤል ኦኬሎ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ሶማል ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ሓይሊ ፖሊስ፣ ምስ ፖሊስ ካልኦት ሃገራት ብሓባር ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ሶማል ኣብ ምዕቃብ ጸጥታ ተዋፊሮም ዘለዉ ሓይልታት ፖሊስ፣ ዜጋታት ኬንያ፣ ናይጀሪያ፣ ሰራልዮን፣ ጋናን ዛምቢያን እዮም።
እቲ ሓይሊ ፖሊስ ብተወሳኺ፣ ኣብ ሓለዋ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ዝርከቡሉ ህንጻታትን፣ ካልኦት ትካላት መንግስትን ክዋፈር ምዃኑ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0