ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሶማሊላንድ ኣብ ጂቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 28 January 2022

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ዒሰ ካያድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብ ጂቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ሚኒስተር፣ ካብ 26 ጥሪ ኣትሒዙ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት፣ ምስ ጂቡታዊ መዘንኡ፣ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ብምርኻብ ዘትዩ።

ክልቲኦም ሰብ ስልጣን ዝዘተይሉ ዛዕባ ብዝርዝር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ሶማልን፣ ሓባራዊ ጸጥታ ክልትኤ ጎረባብትን ዘተኮረ ምንባሩ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

ሚኒስተር ምክልኻልን ሓለፍቲ ጸጥታን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብምስናይ፣ ኣብዚ ናይ ጂቡቲ ዑደት ከምዝተሳተፉ ተፈሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ጂቡቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ጥቡቕ ዝምድና ካብ ዝመስረቱ ጎረባብቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብቀዳምነት ይጥቀስ።

ጂቡቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ እትግበሮ ፍሉይ ርክባት፣ ኣብ ውሽጣዊ ሶማል ጣልቃ ከም ምእታው’ዩ ክብል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተደጋጋሚ ተቓውሞታት የስምዕ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0