ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ 40 ሚልዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ኣብ ናይ ምጉሓፍ ሓደጋ

Radio Erena: 30 December 2021

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ናይጀርያ ሓደ ሚልዮን ክታበት ኮቪድ-19 መዓልቱ ስለ ዝሓለፎ ድሕሪ ምጉሓፋ ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ’ውን ብተመሳሳሊ ኣስታት 40 ሚልዮን ክታበት ክጉሕፋ ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብወፈያን ሸመተን ኣስታት 74 ሚልዮን ክታበት ክረክብ እንከሎ፡ ዛጊት 30.1 ክታበት ጥራይ ንሰባት ከምዝተዋህበ ተፈሊጡ።

ዝተረፈ 40 ሚልዮን ድማ ብሰንኪ ሕጽረት መጓዓዝያን መሳለጥያታትን ናብ ግቡእ መዓልኡ ክበጽሕ ብዘይ ምኽኣሉ መዓልቱ ሓሊፍዎ ናይ ምጉሓፍ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ኣሎ።

ታንዛንያ ንኣብነት ካብ 4 ሚልዮን ክታበት እቲ 2 ሚልዮን ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ኣውዒላቶ፡ ኡጋንዳ ብወገና ካብ 32 ሚልዮን ክታበት እቲ 8.9 ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ኣውዒላ።

ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ 317 ሚልዮን ክታበት ክቕበላ እንከለዋ 153 ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ።

ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ዝሑል ቦታ ክቕመጥ ዝሓትት ብምዃኑ፡ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ክታበት ንምዝርጋሕ ናይ መጓዓዝያ ምስንኻላት ገጢምወን ይርከብ።

======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0