ክታበት ኣንጻር ኮቪድ ዘይጀመራ ሃገራት ዓለም ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ጥራይ ተሪፈን

Radio Erena: 20 October 2021

ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክታበት ኣንጻር ኮረና ቫይረስ ዘይጀመራ ሃገራት ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ጥራይ ከምዝተረፋ ንጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ምስዘን ክልተ ሃገራት ተሰሪዓ ዝጸንሐት ብሩንዲ፣ ክታበት ክትጅምር ምዃና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝኣተወቶ መብጽዓ መሰረት፣ ብሰኑይ 18 መስከረም፣ ቀዳምነት የድልዮም ዝተባህሉ ዜጋታታ ፈላሚ ክታበት ኣብ ከተማ ብጁምብራ ሂባ።

ክታበት ኮረና ቫይረስ፣ ብክኢላታት’ውን ክንጸር ዘይክኣለ ጎናዊ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣላን ጉዮም ቡኖዮኒ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ክጠቕሱ ጸኒሖም’ዮም።

ብምዕራባውያን ሃገራት ዝዳሎ ዘሎ ክታበት ኮረና ቫይረስ ዝተሓሰመት ሰሜን ኮርያ ብወገና፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ክታበት ከተዳሉ ተኽእሎ ከምዘለዋ’ያ ትገልጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ግና ክታበት ኮረና ቫይረስ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝነጽገሉ ዘሎ ምኽንያት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ብዝተፈላለያ ሃገራት ዝዳሎ ዘሎ ክታበታት ጸረ ኮረና ቫይረስ፣ ኣድማዕነቱ ካብ 94% ከምዘይሓልፍን ብዙሕ ዘይተጸንዐ ጎናዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ከምዝኽእልን’ዩ ዝንገረሉ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ክታበት ብለበዳ ኮረና ቫይረስ ክስዕብ ንዝኽእል መጠነ ሞት ኣብ ምጉዳል ዓቢ እጃም ከምዘለዎ ተመራመርቲ ሕክምና የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0