ህወሓት፣ ‘ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ለውጢ ከምጽእ እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት’ዩ’

Radio Erena: 30 August 2021
ህወሓት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንፕረዚደንት ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ከም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ምምዛዙ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።
ህወሓት ብኣፈኛኡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ቅልውላው ንኽፈትሕ ፈለማ፣ ቅልውላው ከምዘሎ ክእመን ይግብኦ ብምባል፣ እቲ ሕብረት ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ስቕታ መሪጹ ምጽንሑ ነቒፉ።
ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ምኽባር ጸጥታ’ ዝበሎ ኲናት ትግራይ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሂቡ ኣብ ጎድኒ’ቲ ፈደራላዊ መንግስቲ እዩ ደው ኢሉ ክብል’ዩ ህወሓት ዝኸስስ።
ኦባሳንጆ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ከም ተዓዛቢ ተሳቲፉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።
እንተኾነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምርግጋእን ሰላም ኣብ ምስፋንን ከም ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ምምዛዙ፣ ተቐባልነት የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፣ ለውጢ ከምጽእ እዩ ኢልካ ምሕሳብ’ውን የዋህነት’ዩ ክብል እዩ ህወሓት ተቓውሞኡ ዝገልጽ ዘሎ።
ባይቶ ጸጥታ ንጉዳይ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ዋዕላ፣ ኣባል ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣላን። እቲ ጉዳይ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብምትሕብባር ንኽፍታሕ ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ ክብላ ሩስያ፣ ቻይናን ህንድን ምግላጸን ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እዩ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0