ኮሚሽን ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣመሪካ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ መሰል ምኽባር ሃይማኖት ዝኾነ ምምሕያሽ ከየርኣየ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጹ

Radio Erena: 30 August 2021

ኮሚሽን ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣመሪካ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ መሰል ምኽባር ሃይማኖት ዝኾነ ምምሕያሽ ከየርኣየ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ኮሚሽን ዓመታዊ ኣብ ዘውጽኦ ንምኽባር ሃይማኖታዊ መሰላት ዓለም ዝምልከት ጸብጻብ፣ ኤርትራ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዘርኣየቶ ምምሕያሽ ኮነ ለውጢ ስለዘየለ፣ መንግስቲ ኣመሪካ ብቀረባ ክከታተሎ ከምዘለዎ መተሓሳሰቢ ኣቕሪቡ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቅንያት ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ፣ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝርከብዎም መራሕቲ ሃይማኖታትን ኣመንትን ገና ኣብ ማሕዩር ይሳቐዩ ከምዘለዉ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ኩሉ ዓይነት ዲፕሎማስያዊ መንገድታት ብምጥቃም፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዝርራብ፣ ኣብ ጉዳይ’ዞም ብዘይካ ብሃይማኖታዊ እምነቶም ካልእ ገበን ዘይብሎም ኣብ ማሕዩር ዝበልዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ብንጥፈት ክዋሳእን ንምፍትሖም ዝሓየለ ጻዕሪ ከካዪድን እቲ ኮሚሽን ጸዊዑ።

መንግስቲ ኤርትራ ናጽነት ሃይማኖታትን እምነትን ከምዘኽብር ዝገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ብመሰረት ኣብ 1995 ዘውጸኦ ኣዋጅ ቁጽሪ 73፣ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታውያን ትካላትን ንጥፈታትን ምሉእ ቁጽጽር ክገብር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣብ 2021 ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝመሓደራ ዝነበራ ትካላት ጥዕናን ቤት ትምህርታትን መንግስቲ ከምዝሃገረን ዘዘኻኸረ ኮሚሽን ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣመሪካ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ኤርትራውያን ገና ኣብ ቤት ማእሰርታት ይማስኑ ኣለዉ ኢሉ።

ኣመሪካ ካብ 2004 ኣትሒዛ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምርጋጽ ሃይማኖታዊ መሰላት፣ ፍሉይ ቆላሕታ ሂባቶ እያ ጸኒሓ። ካብቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ዓመታዊ ኣብ ዝበር ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ወላሓንቲ ምምሕያሽ ብዘይምርኣዩ፣ ንኤርትራ ካብ ሃገራት ዓለም ምስተን ቀዳሞት ረገጽቲ ሃይማኖታዊ ናጽነትን እምነታትን ኮይና ከምትቕጽል ገይሩዋ ይርከብ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0