ዩጋንዳ፣ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝፈተነ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ

Radio Erena: 30 August 2021
መንግስቲ ዩጋንዳ፣ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ንዝፈተነ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዎ ተገሊጹ።
ንዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ዝመርሕ ዝነበረ ዩጋንዳዊ መጀር ጀነራል ፖል ሎከክ፣ ስነስርዓት ቀብሩ ንምፍጻም ኣብ ልዕሊ ዝተኣከበ ህዝቢ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከካዪድ ወጢኑ ኔሩ ዝተባህለ እቲ ውልቀሰብ፣ ብሓልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ክብል’ዩ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ካቱምባ ዓብዱል ዝተባህለ ውልቀሰብ፣ ኣብ ገዛ ዝተሰርሐ ቦምብ፣ ምስ መዓጥቖኡን መፈንጀሪኡ ሞባይል ቴሌፎንን ከምዝተረኽቦ ዝሓበሩ ኣባላት ጸጥታ ዩጋንዳ፣ ኣባል’ቲ ምስ ኣልሸባብ ናይ ሶማል ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ብመንግስቲ ዩጋንዳ ዝኽሰስ፣ ስምረት ደሞክራስያዊ ሓይሊ ምዃኑ ገሊጾም።
ኣብቲ ብሓሙስ ዕለት 26 ነሓሰ ዝተኻየደ ሃድን፣ ካቱምባ ዓብዱል (ቤን ብዝብል ካልኣይ ስም ዝፍለጥ) ብኡ ንብኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክውዕል እንከሎ፣ ካልኣዩ ግና፣ ገና ከምዘተታሕዘ እዩ ዝግለጽ።
ቀንዲ ዒላማ’ቲ ዝፈሸለ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ መጀር ጀነራል ፖል ሎከክ ንዝተኣከበ ህዝቢን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ዝዓለመ ምንባሩ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እቲ ጀነራል ንዓቃብ ሰላም መሪሑ ኣብ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዘካየዶ ኲናት፣ ንዝበዝሐ ክፋል ሶማል ካብቲ ጥሩፍ ጉጅለ ሓራ ብምውጽኡ ‘ኣምበሳ ሞቓድሾ’ ዝብል ቅጽል ስም ከምዝሕዝ ገይሩዎ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0