Radio Erena: 16 June 2021
ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ፣ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ሕጊን ስርዓትን ቤተ ክርስትያን ብምጥሓስ ንዝተፈጸመ ሲመተ ሓድሽ ፓትርያርክ ወጊዞም።
ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ኣብ ዓራት ኮይኖም፣ ብዝተቐድሐ ቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ፣ ሓጺር መልእኽቲ፣ “ወይ ሞይተ ወይ ከኣ ገበን እንተለኒ ተረቲዐ እንዘይኮይኑ፣ ካልእ ዝሽየም ሕጊ ቤተክርስትያን ስለዘይኮነ ኣወጊዘዮ ኣለኹ።” ኢሎም።
ሕጋዊ ፓትርያርክ ናይታ ቤተ ክርስትያን ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ንኣስታት 16 ዓመታት ኣብ ማሕዩር እንሃለዉ፣ ብህግደፍ ዝምራሕ ሲኖዶስ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝመረጾም ራብዓይ ፓትርያርክ፣ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ካብ ዝሞቱ’ውን ሻብዓይ ዓመቱ ሓሊፉ ክነሱ፣ ብዘይፓትርያርክ’ዩ ጸኒሑ።
ጀነራላትን ሚኒስተራትን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብ13 ሰነ፣ ኣቡነ ቄርሎስ መበል ሓሙሻይ ፓትርያርክ ንምዃን ስልጣን ተረኪቦም።
ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ “ብዘይ ቀኖናዊ ኣቦ ን16 ዓመታት ዘኽቲሞም፥ ንህዝብን ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶን ኣብ ምብትታን ኣብጺሖማ ዘለዉ ጳጳሳት፡ ንኹሉ ሰናይ ምኽርን መንፈሳዊ ጻውዒትን ሸለል ብምባል፡ ዘይሕጋዊ ሓምሻይ ፓትርያርክ ንምሻም” ክገብሮ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ኮኒንዎ’ዩ።
ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ብዘይካ’ዚ፣ “እዞም ንርእሶም ብዘይ-ሕጊ ‘‘ቅዱስ ሲኖዶስ’’ ኢሎም ዝሰምዩ፡ ብጽእናኦም፡ ብስልጣን ቅድስት ስላሴ፡ ብኣፍ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝተወገዙ ኣቦታት፡ እቲ ሒዘምዎ ዘለዉ መደብ፡ ሕጂውን እንተዀነ፡ ከምቲ ኣብ ዓመተ 2007 ዓ.ም. ፈ፡ ኣብ ሽመት ዘይሕጋዊ ራብዓይ ፓትርያርክ ዘጋጠመ፡ ንሉዓላዊነት ቤተክርስቲያን ዘፍርስ፡ ንሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝበትኽ፡ ሕጊ ቤተክርስቲያን ዝግህስ፡ ከቢድ ዕንወትን ምብትታንን ድማ ዘስዕብን፡ ሓደገኛ ብምዃኑ” ብትሪ ከምዝቓወሞ ኣፍሊጡ።
=================
COMMENTS