ቀ/ሚ ሶማል፣ ‘ናብ ኤርትራን ኵናት ትግራይን ተላኢኾም’ ብዛዕባ ዝተባህሉ ወትሃደራት ሶማል እትከታተል ኮሚሽን ኣቝሙ

Radio Erena: 15 June 2021

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ መሓመድ ሑሰን ሮብለ፣ ‘ናብ ኤርትራን ኵናት ትግራይን ተላኢኾም’ ብዛዕባ ዝብሃል ዘሎ ወትሃደራት ሶማል እትከታተል ኮሚሽን ኣቝሙ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ነታ ኮሚሽን ከምዘቖማ ዝግለጽ ዘሎ፣ መንግስቲ ሶማል፣ ብዛዕባ ናብ ኤርትራን ኵናት ትግራይን ተላኢኾም ዝተባህሉ መንእሰያት ወግዓዊ መግለጺ ክህብ ኣዴታት፣ ኣባላት ስድራ፣ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ዝተፈላለየ ሰልፍታትን ኣብ ዝሓትሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ወኪል ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ፣ ወትሃደራት ሶማል ኣብ ኵናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ጠቒሱ።

እታ ብህዝቢ ሶማል ንዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብዛዕባ እቲ ኩነታት እትከታተል ኮሚሽን፣ ሚኒስተር ምክልካል፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍን ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣባላት ከምዝለውዋ፣ ማዕከን ዜና ጋሮወ ኣፍሊጡ።

እታ ኮሚሽን፣ ምክትታላን ምጽራያን ምስ ወድአት፣ ብዛዕባ’ቲ ንሶማላውያን ኣቖጢዑ ዘሎ ፍጻሜ ንህዝቢ ሓበሬታ ቃልዕ ክትገብር’ያ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣዴታት ድሕሪ ዝገበራሉ ተቓውሞን ጸቕጥን፣ መንእሰያት፣ ንታዕሊም ናብ ኤርትራ ከምዝልኣኸ ክኣምን እኳ እንተተገደደ፣ ‘ናብ ኵናት ትግራይ ኣትዮም’ ንዝብል ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይኽሕዶ’ዩ ዘሎ።

ናብ ኤርትራ ንወተሃደራዊ ታዕሊም ከምዝተወስዱ ዝገለጹ ሓሙሽተ ሶማላውያን መንእሰያት፣ ካብ ሳዋ ሃዲሞም ናብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣብ ዝበጽሕሉ፣ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዝሓለፈ መዓልታት ብናጻ ከምዝተፋነዩ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ’ዩ።

መንግስቲ ሶማል ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ዝልኣኾም ብዝሒ ሶማላውያን ብወግዒ እኳ እንተዘይገለጸ፣ ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 7 ሽሕ ከምዝበጽሑ ይግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0