ቀጠር፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ጽልዋ ንምምላስ ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 01 June 2021

ቀጠር፣ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ጥቡቕ ዝምድና፣ ዳግም ንምምላሱ ትሰርሕ ከምዘላ ዲፕሎማሰኛታት ሓቢሮም።

እታ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ ሃገር፣ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥቡቕ ዝምድናን ጽልዋን እኳ እንተነበራ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2017 ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተፈጠር ምክፍፋልን ምስሕሓብን ግና፣ ዛሕቲሉ’ዩ ጸኒሑ።

ብፍላይ ኤርትራን ጂቡቲን ምስታ ሃገር ዝነበረን ዝምድና ብምዝሕታል፣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ክዛዝዋ’የን መሪጸን።

ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ፣ ካብ መወዳእታ ዓመተ 2020 እናዘሓለ ድሕሪ ምምጽኡ፣ ቀጠር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ጽልዋ ንምሕዳስ ተበግሶታት ትወስድ ኣላ።

ኣብ መንጎ ሶማልን ኬንያን ንዝተፍጠር ምስሕሓብ ንምሽምጋል ፍሉይ ልኡኽ ዝመዘዘት ቀጠር፣ ኣብ ጂቡቲ’ውን ኣብ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓለ ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ብሚኒስተር ዴ’ታ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ብምስዳድ ተሳቲፋን፣ ኣብ ምሕዳስ ዝምድና ተመያይጣን።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣል ታኒ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ንግስነት ቀጠር፣ ኣብ ሱዳን ብምብጻሕ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃንን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ተራኺቡ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ርክብ፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንምስግጋሩ ዘንቐደ ምይይጥ ተኻይዱ።

ኣብቲ ሰሙን’ቲ፣ ብሚኒስተር ዴታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ሬድዋን ሑሰን ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ከተማ ዶሓ ብምብጻሕ ምስቲ ቀጠራዊ ሚኒስተር ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ምዝታዩ ማዕከናት ዜና ጋልፍ ሓቢረን።

መንግስቲ ኤርትራ ዝተለቕሖ ኣስታት 280 ሚልዮን ዶላር ክመልሰላ ክሲ መስሪታ ዘላ ቀጠር፣ ምስ ኤርትራ ዛሕቲሉ ዝርከብ ዝምድና ንምሕዳሱ ዝወሰደቶ ተበግሶታት ብዛዕባ ምህላዉ ዛጊት ዝተሓበረ ነገር የለን።

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0