ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተመሳሰለ ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ትግራይ ረዲኤት ከይኣቱ ይዓግት ከምዘሎ CNN ኣቃሊሑ

Radio Erena: 13 May 2021

ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተመሳሰለ ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ትግራይ ህጹጽ ረዲኤት ከይባጻሕ ይዓግት ከምዘሎ CNN ኣቃሊሑ።

እቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደበራት ቴሌዢዥን ዓለም፣ ኣብ 21 ሚያዝያ፣ ኣብ ትግራይ፣ ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን ብምብጻሕ ኣብ ዘካየዶ ጸብጻብ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ምዃኑ ካብ ዝተነግረሉ ንደሓር ጥራይ፣ ሰለማውያን ሰባት ይቐትልን የቑስልን፣ ደቂንስትዮ ይዕምጽ ከምኡ ድማ ካልእ ግፍዕታትን ይፍጽምን ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ብጋዜጠኛ ንዕማ ኤልባጊር ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ብሰንኪ’ቲ ሰራዊት ኤርትራ ከልኪልዎ ዘሎ ህጹጽ ሓገዛት፣ ህጻናት ሰኣን መኣዛዊ መግብታት፣ ሕሙማትን ግዳያት ኵናትን ድማ ሰኣን መሰረታዊ ሕክምናታት ይሳቐዩን ምህላዎም ኣብ ኣኽሱም ንዝርከብ ሆስፒታል ብምውካስ ኣረጋጊጹ።

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጻእ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ እኳ እንተገለጸ፣ ብኣንጻር’ዚ፣ እቲ ሰራዊት ህላዌኡ የጣጥሕ ምህላዉ ክጥቀስ’ዩ ጸኒሑ።

=====================