ቱርኪ፣ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ ተበግሶ እንተወሲዳ ኢትዮጵያ ከምእትቕበሎ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 19 February 2021

ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ንዘለዋ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ብቱርኪ ንዝቐርብ ተበግሶ ሽምግልና ከምእትቕበል ኣፍሊጣ።

ቱርኪ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጽቡቕ ዝምድና ስለዘለዋ፣ ንሽምግልና እማመ እንተቕሪባ ብወገን ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከምዘለዎ ንኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ዲና ሙፍቲ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ይኹን’ምበር ናብ ዘተ ቅድሚ ምቕራቦም፣ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ቅድሚ 6 ሕዳር 2020 ዝነበሮ ከባቢታት ክክስሕብ ከምዘለዎ እቲ ኣፈኛ ኣመልኪቱ።

ብፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት ዝቐረበ ናይ ሽምግልና ተበግሶ፣ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ቅድመ ኩነት ስለዘቕረበት ክዕወት ከምዘይክኣለ ይፍለጥ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብቲ ልዕሊ 1600 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ፣ ዘይምርድዳእ ከምዘለወን ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ገዳርፍ ዝርከብ ዞባ ኣልፋሺጋ እቲ ቀንዲ ናብ ግጭት ኣምሪሑ ዘሎ’ዩ።

ሱዳን፣ ብ26 ዓመት ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ ዝነበረ ሉኣላዊ መሬታ ካብ 6 ሕዳር ኣትሒዛ ንዝበዝሐ ክፋሉ ከምዘምለሰቶ’ያ ትገልጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብኣንጻሩ፣ ሱዳን ኣብ ሉላላዊ ግዝኣት ሃገሩ መጥቃዕቲ ብምፍናው፣ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታቱ ከምዝፈናቐሉ ምግባራ ይኸስስ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0