ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ወትሃደራዊ መዓስከር ትዓጹ ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 19 February 2021

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ወትሃደራዊ መዓስከር ትዓጹ ከምዘላ ተገሊጹ።

ኣሶሸትድ ፕረስ፣ ካብ ሳትላይት ንዝረኸቦ ኣሳእል ብምስናይ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ዝጽንሓ መዓስከር፣ ተፈራርስ ከምዘላ’ዩ ኣመልኪቱ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ 2015 ኣብ የመን ኣብ ዝወልዐኦ መጠነ ሰፊሕ ኵናት፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዓሰብ፣ ከም መናሃርያ ክግልገላሉ ስለዝፈቐደ፣ ኢማራት፣ መራኽባ ከተጸግዓሉን ነፈርታ ድማ ከተዕርፈሉን ጸኒሓ።

እንተኾነ፣ እዘን ክልተ ሃገራት ዓረብ፣ ኤርትር ናይ እትርከበን 31 ሃገራት ድጋፍ ረኺበን ኣብ የመን ንኣስታት 6 ዓመታት ዘካየድኦ ኵናት፣ ፍረ ከምጽእ ስለዘይክኣለን፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክምለሰ’የን ተራእየን።

ብዘይካ ንከተማ ዓደን ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቆጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክስዕርኦ ዘይክኣላ ሃገራት ዓረብ፣ በብሓደ ካብቲ ኵናት ክስሕባ ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

እታ ከም ቀንዲ መራሕቲ ናይቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ዝኾነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሰራዊታ ካብ ዝበዝሐ ክፋል የመን ጠቕሊላ ክትስሕብ እንከላ፣ ከም መተካእታ፣ ኣብ ኤርትራ ከምዘሰልጠነቶም ዝንገረሎም ሚሊሻታት የመን’ያ ኣዋፊራ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ዝነበራ፣ መዓስከር ትዓጹ ከምዘላ ይግለጽ ኣሎ።

ሕቡራት ኢማራት፣ ኣምሳያ ናይቲ ንወደብ ዓሰብ ከም መናሃርያ ክትጥቀመሉ ምጽንሓ፣ ብዘይካ’ዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ክትህቦ ከምዝጸንሐት ዝነገረሉ ሚልዮናት ዶላራት፣ ኣብ ስልጠና ኣባላት ሓይሊታት ኣየርን ባሕርን ኤርትራ’ውን ክትተሓጋገዝ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣቐዲሙ’ውን፣ ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ዝተባህለ፣ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና፣ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ’ዩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፣ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ነቲ ናይ ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ጸብጻብ ዘይቅኑዕን ሓሶት ዝበዝሖን’ዩ ክብል ነጺግዎ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0