ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብህጹጽ ክኣቱ፣ ፕረዚደንት ርዋንዳ ጸዊዑ

Radio Erena: 18 February 2021

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብህጹጽ ክኣቱ፣ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ ጸዊዑ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ፣ ብ3 ለካቲት ምስ ትካላት መጽናዕቲ ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ’ዩ።

ንሱ ኣብቲ ንጉዳይ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ጸጥታ ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ዝምድና ኣመሪካ ምስ ሓድሽ ምሕዳር ባይደንን ኣብ ዝብሉ ነብታት፣ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኩነታት ትግራይ ከምዘሻቕሎ ብምጥቃስ፣ ምምሕዳር ባይደንን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብቅልጡፍ ክኣትዉ ተማሕጺኑ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ቅልጡፍ ፍታሕ ክመጽእ እንተዘይክኢሉ፣ ድሮ ኣሽሓት ሰባት ኣህሊቑ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ምስቲ ናይ ርዋንዳ ናይ 1994 ዝመሳሰል ህልቂት ከይክሰት ብዙሓት ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ’ዮም።

ኣብታ ሃገር ዝጎሃሃር ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታትን ኣብ ብሄር ዘተኮረ ናይ ጽልኢ ዘመተን ደው ክብል እንተዘይክኢሉ፣ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ክፈጥር ከምዝኽእል፣ ኣብ ምክልኻል ዓሌት ምጽናት ዝነጥፍ ትካል ሕቡራት ሃገራት ምጥንቃቑ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ኵናት ገበናትን ዓሌት ናይ ምጽናትን ተግባራትን ተፈጺሙ ከምይከውን ምጽራይ ክግበር ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ይጠልባ’የን።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0