ኣመሪካ፣ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሚሳይላት ንግብጺ ክትሸጠላ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 18 February 2021

ምምሕዳር ባይደን፣ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ፣ RAM ዝተሰምየ ሚሳይላት፣ ንግብጺ ክሸጠላ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣመሪካ ንግብጺ ክትሸጦ ወሲና ዘላ ብዝሒ ሚሳይላት ኣስታት 168 ከምዝበጽሕ’ዩ ተሓቢሩ።

ካብ መሬት ተበጊሱ፣ ሓጺር ርሕቀት ዝውንጨፍ እዚ ሚሳይላት፣ ካብ ባሕሪ ይኹን ኣየር ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ኣብ ምምካን ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ወትሃደራውያን ክኢላታት ይሕብሩ።

ፈኵሲን ናብ ዝኾነ ቦታ ብቐሊሉ ክንቀሳቐስን፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ መራኽብ’ውን ክጸዓን ዝኽእል ምስ ምዃኑ ድማ ዝያዳ ተመራጺ ከምዝገብሮ ይጥቀስ።

እዚ ዓይነት ሚሳይላት፣ ዛጊት 11 ሃገራት ጥራይ ከምዝወነንኦ’ዩ ዝግለጽ።

ኣመሪካ፣ ነታ ብኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብተሪር እትንቀፍ ግብጺ፣ ክንድዚ ብዝሒ ዘለዎ ስትራቴጅያዊ ኣጽዋራት ክትሸጠላ ምውሳና ተቓውሞታት ኣስዒቡ ይርከብ።

===============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0