Radio Erena: 04 February 2021
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንምውጻእ ዓቕሚ የብሉን ክብል ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ክልል ትግርይ፣ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ገሊጹ።
ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ምስ ንማሕበረሰብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ኮይኑ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይውጻእ ኣብ ዝብል ንዝቐረበ ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ እዋን’ዩ።
ኣቐዲሙ’ውን ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ጀነራል በላይ ስዮም፣ ምስ ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ባዕሉ ከምዝኣተወን እዚ ድማ ከም ኣዛዚ መጠን ኣዝዩ ሕማቕ ከምዝስዖን ምግላጹ ኣይርሳዕን።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ፣ ሙሉ ነጋ፣ ነቲ ካብ ንማሕበረሰብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ንዝስማዕ ዝነበረ ተቓውሞታት ምላሽ እብ ዝሃበሉ ድማ፣ “እንተ ደሊኹም ኪዱ ናብቲ መኸተ ትብልዎ ዘለኹም ቃልሲ ተጸንበሩ” ክብል’ውን ተዛሪቡ’ዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘለዉ ሰራዊት ኤርትራ ክቖጻጸር ይኹን ካብቲ ክልል ንኽወጽኡ ከገድድ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን እናነጸረሉ ይመጽእ ከምዘሎ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝውሕዝ ዘሎ መልእኽታት የረድእ።
ገለ ክፋል ናይቲ ግዝያዊ ኣመሓዳሪ፣ ንማሕበረሰብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝሃቦ ምላሽ ኣብ ታሕቲ ብምጥዋቕ ስምዑ።
=========