ሎሚ ክቐውም ዝነበሮ ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን ተናዊሑ

Radio Erena: 04 February 2021

ንሎሚ ሓሙስ 04 ለካቲት ክቐውም ዝነበሮ ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን፣ ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን ከምዝተናውሐ፣ መግለጺ መሻርኽቲ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን ኣፍሊጡ።

መሻርኽቲ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን፣ ትማሊ ረቡዕ 03 ለካቲት፣ ብኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ጀነራል ዓብደልፈትታሕ ኣል ቡርሃን ተመሪሑ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ክናዋሕ ወሲኑ።

ብመሰረት እቲ ኣብ 3 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ጁባ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ 3 ታሕሳስ ዝቖመ መሻርኽቲ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን፣ ኣብ 4 ለካቲት፣ ኣብ ሉኣላዊ ባይቶ ሓድሽተ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ክህልውዎ ይጠልብ።

ካቢኒ ሚኒስተራት ብምልኣት ምስ ቖመ፣ ዝመጽእ ሰሙን ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን ክምስረት ምዃኑ መግለጺ ናይቲ ባይቶ የመልክት።

ድሮ’ውን ካብ ኩለን እተን ኣብ ጁባ ኣብ ዝተኻየደ ስምምዕ ዝተወከላ ሰልፍታትን ውድባትን ዝተወከሉ 25 ካቢኒ ሚኒስተራት ከምዝተረቅሑ ዝሓበረት ኣፍኛ ናይቲ ባይቶ፣ ሚርያም ኣኣል ሳድቕ ኣል ማህዲ፣ ሓንቲ ናይ ሚኒስተር ጽፍሒ ግና ተወሳኺ ምምኽኻር ስለዘድልያ፣ ገና ሰብ ከምዘይተረቁሓላ ጠቒሳ።

ሱዳን፣ ድሕሪ ምውዳቅ ስርዓት በሺር፣ ናብ ደሞክራስዊ ንምስግጋር ኣብ መስርሕ እኳ እንተላ፣ ብወትሃደራውያን ወገናት ስልጣን ናይ ምብሓት ዝምባለታት ይርአ ስለዘሎ፣ እታ ሃገር ኣብ ቃራና መንገዲ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0