ቻይና፣ ንወደባዊት ከተማ ጂቡቲ፣ ብናይ 3 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ብዘመናዊ መልክዕ ከተስፍሓ’ያ

Radio Erena: 11 January 2021

ቻይና፣ ንወደባዊት ከተማ ጂቡቲ፣ ብዘመናዊ መልክዕ ንምስፋሕ፣ ምስ መንግስቲ ጂቡቲ ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ውዕል ከምዝኸተመት ተገሊጹ።

ነቲ ስምምዕ ዝኸተመ፣ ኣብ ቻይና ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ፣ ብ ‘ቻይና መርቻንትስ ግሩፕ’ ዝፍለጥ፣ ትካል ምህናጽ ወደባት’ዩ።

ኣቦ መንበር በዓል መዚ ወደባት ጂቡቲ፣ ኣቡባከር ዖማር ሓዲ፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ እቲ ፕሮጀክት፣ ንወደባት ከተማ ጂቡቱ፣ ሰፊሕ ናይ ቁጠባ ዕድልዋት እትውንን ዘመናዊት ከተማ ከምዘሰጋግራ ምዃኑ ገሊጹ።

ኩባንያ ቻይና መርቻንትስ፣ ን23.5 ሚእታዊት ወደብ ጂቡቲ’ዩ ዝዝውንን።

እቲ ኩባንያ፣ ኣቐዲሙ ብናይ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ወጻኢ ከም ናይ ምርኢት ማእከላት፣ በዓል ኣርባዕተ ኾኾብ ሆቴልን ዝኣመሰለ ህንጻዊ ስርሓት ኣብ ምህናጽ’ዩ ዝርከብ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ኩባንያ፣ ንወደብ ዶራላ’ውን ብ590 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ የሕድስን የስፍሕን ኣሎ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ጂቡቲ፣ ብዘይካ’ቲ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሓያሎ ሃገራት ምዃና፣ ኣብ ወፍሪ፣ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን ካልእን ዘተኮረ ቁጠባዊ ልምዓት ኣብ ምህናጽ’ያ ትርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0